Tuesday, June 7, 2011

በዓለ ኃምሳ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 
ስያመ (ቀዳማይ ክፋል)

እዚ በዓል እዚ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ኣብ መበል ፶ መዓልቲ፡ ድኅሪ ክቡር ዕርገቱ ድማ ኣብ መበል ፲ መዓልቲ ይኽበር። በዓለ ኃምሳ ጴንጠ ቆስጤ ወይውን ብጽርዕ ድማ ፔንዲ ኮንዳ (ፔንዲ ኮስቴ) ይበሃል። እዚ ማለት ድማ መበል ፶ መዓልቲ ማለት እዩ። ጰራቅሊጦስ ወይውን ፓራክሊቶስ መበቆሉ ጽርዕ ኮይኑ ቤተ ክርስቲያናዊ ትርጉሙ ድማ መንጽሒ (ዘንጽሕ) መጽንዒ (ዘጽንዕ) ናዛዚ (ዘረጋግእ) መስተፈሥሒ (ዘሐጉስ) ከሣቲ (ዝገልጽ) መስተሥርይ (ኃጢኣት ዝኃድግ) ዝብል ትርጉም ይህብ። በዚ መሠረት ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናይ ኃጢኣት ጭቓ ንዝወደቑ የንጽሕ፤ ኣብ መንፈሳዊ ገድሊ ንዘለዉ ኣብ ኵሉ ፈተናን መከራን የጽንዕ፤ ንዝተናወጹ የረጋግእ፤ ንዝሓዘኑ የጸናንዕ፤ ንዝደኸሙ የብርትዕ፤ ንዝጓሃዩ ድማ የሐጉስን ማለት እዩ። ንሰማዕታት ናብ ደም፡ ንመነኮሳት ናብ ገዳም፡ ንምእመናን ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኅሊንኦም ዘለዓዕልን ዝመርሕን ንሱ እዩ። (ዮሐ ፲፮፥፲፪) ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢላ ምሥጢራት ትቕድስን ትፍጽምን። ንምእመናን ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ትዕድል። እምነት ክርስቲያናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘስፍሕን ዘጽንዕን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ እንተዘይኮይኑ ንክርስቶስ ብሥጋ ዝተገልጸ ፍጹም ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ክእመን ዝኽእል የልቦን። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፪፥፫

ጥንተ ታሪኽ - ብሉይ 
እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጽ ን፬፻፴ ዓመት ኣብ ኢድ ፈርዖን ብባርነት ድኅሪ ምንባሮም፤ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ እግዚአብሔር ብዘደንቕ ተኣምራት ብመሪሕነት ሙሴ ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ሓራ ገበሮም። ሰብ ነቲ ዝተገብረሉ ውዕለት እግዚአብሔር ንምርስዑ ቕልጡፍ ስለዝኾነ፡ እግዚአብሔር ንዝገበረሎም ግብሪ ኣብ ዘመኖም ይኹን ንደቆምን ንውሉድ ወለዶን እናዘከሩ ክነብሩ ምእንቲ ነታ ንግብጺ ብሞተ በኵር ዝቐጽዓሉን፤ ንእስራኤል ብምሕላፍ (ፋሲካ) ዝተበጀወሉን መዓልቲ ከኽብሩ ሥርዓት ገበረሎምን ኣዘዞምን (ዘጸ ፲፪፥፲፰-፳)። በዓለ ፍስሓ (ፋሲካ፤ ናዕት፤ ቅጫ) ጥራይ ዘይኮነስ በብጊዜኡ ኣብ ዘዘለዉዎ ወይውን ኣብ ከከባቢኦም ኮይኖም ድዮም፡ ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ እትርከበሉ ኢየሩሳሌም ነጊዶም ዘኽብርዎም በዓላት ድማ ብእግዚአብሔር ተሰሪዑሎም ነበረ። ንኣብነት ከም በዓለ ሰንበት፡ በዓለ መጸለት፡ በዓለ ፉሪም፡ ክጥቐሱ ይከኣል። 

ይኹን ደኣ እምበር እስራኤል ንዝወረስዋ ምድሪ ኣቦታቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብሰላም ክቕመጡላ ዘይከኣሉሉ ዘመን የጓንፎም ነበረ። ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ’ውን ፄዋዌ (ምርኮ) ስደት የጋጥሞም ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ርሑቕ ከባቢታትን ኤስያን ሰሜን ኣፍሪካን ካልእ ከባቢታትን ብዝርወት ይነብሩ ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። ሥርዓትን ትእዛዝን እግዚአብሔር ከየፍርሱ ክብሉ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም እናደየቡ በዓላቶም የኽብሩ ነበሩ። ሓደ ካብቲ ድኅሪ በዓለ ፍስሓ ዘኽብርዎ ድማ በዓለ ሰዊት (ሸዊት) ይብሃል ነበረ። እዚ ኸኣ እኽሎም ኣብ ዝዓጽድሉ ኣብ ምጅማር እዋን ቀውዒ ዝበዓል በዓል እዩ ነይሩ። ቀውዒ ምስ ኣተወ ድማ ካብቲ ቀዳማይ ዝእክብዎ እኽሊ ንእግዚአብሔር መሥዋዕቲ ከቕርቡ ተኣዚዞም ነበሩ። በዚ መሠረት ኸኣ ካብ በዓለ ፋሲካ ጀሚሮም ንሸውዓተ ሰሙናት (፵፱ መዓልትታት) መዓልታዊ ሓንቲ መስፈር እኽሊ ይውፍዩ ነይሮም። ኣብ መበል ፶ መዓልቲ እቲ ሊቀ ካህን ካብቲ ዝተወፈየ እኽሊ ብኸፈር ገይሩ ድኅሪ ምቕራቡ መሥዋዕተ በጊዕ ይስውዕ ስለዝነበረ ዓቢይ በዓል ኮይኑ ይኽበር ነበረ። (ዘሌ ፳፫፥፲-፲፯ ዘዳ ፲፪፥፭-፯) በዚ ኣገባብ ኸኣ ብሓጐስ ንበዓለ ሰዊት ኣኽቢሮም ነናብ ዓዶም ይፋነዉ ነይሮም። 

ኣጀማምራ እዚ በዓል’ውን፡ ከምቲ በዓለ ፋሲካ ነቲ ካብ ምድረ ግብጺ ናጻ ዝወጹሉ ዝዝከረሉ በዓል ከምዝኾነ፡ በዓለ ሰዊት ድማ ድኅሪ ካብ ግብጺ ምውጽኦም ኣብ ምድረ ከነኣን ንመጀመርያ ጊዜ ሸዊት ዝብልዑሉ ዝዝክሩሉ በዓል እዩ። በዚ ኸኣ ኣብ በረኻ ከለዉ ነቲ ዝበልዕዎ ካብ ሰማይ እግዚኣብሔር ማና እናውረደ ንዝመገቦም ይዝክርዎ ነበሩ። ስለዚ ኣብዚ ዕለት እዚ ቀዳምያት ኣስራት በኵራት እናውጽኡ፡ ዓመት መጸ ካብ ዝዘርእዎ እኽሊ ሸዊት (ብዝበዘኀ ስርናይ) እናበልዑ ስለቲ ፍረ ምድሪ ንእግዚአብሔር ዘመስግኑሉ በዓል እዩ ነይሩ። 

ኣማናዊ ትርጓመ - ሓዲስ 
እስራኤል ዘሥጋ ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ብዝርወት ካብ ዝነብሩሉ ኵሉ ዓለም ኣብ ኢየሩሳሌም ተጋቢኦም የኽብርዎ ነበሩ። እቶም በዓለ ፋሲካ ከኽብሩ ዝመጹ ድማ ኣብኡ ከለዉ በዓለ ሰዊት ኣኽቢሮም ነናብ ዓዶም ይምለሱ ነበሩ። ጐይታ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ክሳብ ኃይሊ ካብ ሰማይ ዝሰደሎም ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኣዚዝዎም ነበሩ። እስራኤል ዘሥጋ ይኹኑ እስራኤል ዘነፍስ ብርሃን ክኾኑ ዝሓረዮም ደቀ መዛሙርቱ ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣኪቦም ከለዉ ብድምፂ ዝተሰነየ ዘደንቕ ትርኢት ካብ ሰማይ ክረአን ክስማዕን ኵሎም ድማ ኣብቲ ፍጻሜ ትርኢት ክእከቡ ግድነት ኮነ። በዚ ፍጻመ ኸኣ ብሉይን ሓዲስን ተራኸቡን ተተኻኽኡን፤ እዚ ናይ ኣምላኽ ጥበብን ቖጸራን እዩ። ትንቢት ነቢያት ስብከት ሓዋርያት ዝኾነ ጐይታ፡ ጐይትኦም እዩ እሞ ነቢያትን ሓዋርያትን ኣብ ደብረ ታቦር ከምዘራኸቦም ክብረ መንግሥቱ ብርሃነ መለኮቱ ገሊጹሎም ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። ኣብ ምሴተ ሓሙስ’ውን ኣብ ቤት ኣልኣዛር ፋሲካ ብሉይ ከም ዘዳለዉሉን፡ ንሱ ድማ መሥዋዕተ ብሉይ ብመሥዋዕተ ሓዲስ ከምዝተክኦ ጽሑፍ እዩ። ካልእ’ውን ብዙኅ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን እተሰምየት ቤት ማርያም (ኣደ ማርቆስ) ድማ እዚ እዩ ተፈጺሙ። ቤተ ክርስቲያን ኣደ ኵሎም ዝቐደሙን ዝደኃሩን እያ። 

ብዝረአን ብዝስማዕን ምልክት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምውራዱ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፤ ከመይሲ ንረብሓ ኣይሁድ እዩ። ሰሚዖምን ርእዮምን ምእንቲ ናብቲ ሓዋርያት ዘለዉዎ ክመጹን መንፈስ ሓቂ ዝብሎም ክሰምዑን፡ ኣእዛኖም ክኸፍቱን ፈቓድ እግዚአብሔር ስለዝነበረ እዩ። እቲ ብሓዋርያት ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ’ውን ሓቅነቱ ከረጋግጸሎም ምእንቲ እዩ ብትእምርቲ ኣሰንዩዎ። እዚ ኸኣ ብሰማያዊ ኃይሊ እምበር ብምድራዊ ጥበብ ከምዘይኮነ መረጋገጺ ክኾነሎም ዝገበሮ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣይሁድ ካብ ምእማን ክሳብ ክንደይ ደንጐይቲ ምንባሮም ቅዱስ መጽሓፍ ዝምስክሮ እዩ። 

ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ ከነስተውዕል ከሎና ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ሃንደበት ዝተፈጸመ ዘይኮነሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ንሓዋርያቱ፡ ንሱ ካብኦም ከምዝኸይድን መጸናንዒ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ድማ ከምዝሰደሎም ነጊርዎም ከምዝነበረ ንርድኣሉ እዩ (ዮሐ ፲፮፥፯)። ንሞት ሥዒሩ ድኅሪ ምትንሥኡን ቅድሚ ዕርገቱን ድማ ኃይሊ ክሳብ ዝለብሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ ከምዘሎዎም ኣዚዝዎም ነበረ። (ሉቃ ፳፬፥፵፱) በዚ መሠረት ድማ ብርሃነ ዕርገቱ ዝረኣዩን ዝተሓጐሱን ሓዋርያት ከምቲ ጐይታ ዝበሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ብጸሎት ተጊሆም ምስ ጸንሑ ድኅሪ ፲ይቲ መዓልቲ ከኣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም። (ግብ ሓዋ ፪) ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ሓዲርዎም ድማ ካብ ርእሶም ንካልኦት ኸኣ ተረፉ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ንኣወዳት ኣብ ፵ መዓልቲ ንኣዋልድ ድማ ኣብ መበል ፹ መዓልቲ ኣብ እዋን ምፍጻም ምሥጢረ ጥምቀት ነዚ ጸጋ እዚ ትዕድሎም እያ። 

ስለዚ እዛ መዓልቲ እዚኣ በዓለ ሰዊት ብበዓለ ጰራቅሊጦስ ዝተተከኣትሉ፤ ንኵሉ ሓደ እትገብር ብመንፈስ ቅዱስ እትምራሕ ቤተ ክርስቲያን እተጋሃደትሉ እዩ። ብሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ኣገላልጻ ድማ ቤተ ክርስቲያን ዝተወልደትሉን፡ ትእዛዝ ክርስቶስ ኣኽቢራ ወንጌል ጸይራ ናብ ዓለም ግራት ክትወፍር ዝጀመረትሉን እያ። እዛ ዕለት እዚኣ ናይቲ ዳኅራይ ኣብ ልቦና ሰባት ዝተርዘአ ዘርኢ፡ በቝሊ ፍረ ክሕፈሶ ናይ ዝጀመረሉ ዓውዲ መሠረት እያ። 
                                                                                                                                     ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment