Thursday, May 26, 2011

ደብረ ምጥማቅ

ደብረ ምጥማቅ - ሎሚ (ካልኣይ ክፋል)
ገዳማትን ጥንታውያን መካናት ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን በብዘመኑ ብዝተፈጸመሎም ወራራትን ዝወርዶም ዝነበረ መከራን ኣብ ዕንወትን ምንዳድን ከምኡውን ኣብ ክንደይ ሽግርን ሰማእትነትን ከምዝበጽሑ ኵልና ነስተውዕሎ ነገር እዩ። እዚ ናይ ትማሊን ቅድሚ ትማሊን ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነሲ ሎሚ’ውን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝፍጸም ዘሎ ሕያው ታሪኽ ሰማእትነት እዩ። 

ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙኅ ናይ ቅዱሳን ታሪኽ ተደቢዩ ዝተረፈሉን፤ ጥንታውያን መጻሕፍቲ ዝጠፍኡሉን ኵነት እዩ ኣጋጢሙ። በዝን ካልእን እስክንድርያዊት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ መስቀል ዝተሠረተት፡ ቀራንዮ ዝሰፈራ ኣማናዊት ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ምዃና ተመስክር እምበር፡ ብዝወረዳ ተጻብኦ ግና ብዙኅ ቅርስን ትውፊትን ሓዋርያነ ኣበው ክትስእንን ሥርዓታ በብቝሩብ ካብቲ ዝቐደመ ብዝተፈልየ ክትልውጥ ዝተገደደትሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። 

ደብረ ምጥማቅ’ውን ብዙኅ ተኣምራት ዝፍጸመላ መካን ትንበር ደኣ እምበር ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝጸንሐ ሽግር ክትሞልቕ ኣይከኣለትን። እዛ ተኣምራዊት ገዳምን ከባቢኣን ኣብ ከባቢ ፲፭ ክፍለ ዘመን ፈጺማ ከምዝዓነወት ይንገር። ይኹን ደኣ እምበር ጥንታውነታ ዝምስክር ድንቂ ኣሰር ገዲፋ እያ። ኣሰር ጐይታ! 

እዚ ኸኣ ጐይታ ኣብ ጊዜ ስደቱ እግሩ ዘንበረላ መሠረተ እብን ክሳብ ሕጂ ኣሰሩ ገዲፉ ይርከብ ኣሎ። ስም እዛ ቦታ’ውን ሕጂ ሣክሓ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ከባቢ ምዃና ይእመን። ካልኦት ከኣ ኣብ ካልእ ሎሚ ከምቲ ዝግባእ ክብረ በዓላ ኣብ ዘይፍጸመሉ ቦታ እትርከብ እያ ኢሎም ይጠቕሱ። ብኣጸዋውዓ ቅብጣውያን “ፔካ የሱስ” (Bikhâ Isûs) ይብሉዋ። ትርጉሙ ድማ እግረ (ኣሰረ) ኢየሱስ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ጐይታ ኣብታ እምኒ ንዝገደፎ ኣሰር ተኸቲሉ ዝወጸሉ ስም ምዃኑ ይንገር።  ኣዴና ቅድስት ድንግል ኣብዛ መሠረት እብን ደው ክብል ኣብ ዝገበረቶ እዋን ጐይታ ብተኣምራቱ ነታ እምኒ ብኣጻብዕቲ ኣእጋሩ ኣጎድጒዱ ነዛ ኣሰር ከምዝገደፋ ይእመን። ካብቲ ዘመን ኣትሒዞም ድማ ምእመናን ነታ ኣሰር ጐይታ ዘለዋ እምኒ ዘይቲ እናለኸዩ ሕጻባ ናብ ኣድታቶምን ኣባይቶምን እናወሰዱ መፈወሲ ሕማማቶምን ንቡራኬን ይጥቀሙላ ነይሮም። ድኅሪ ወራር ኣዕራብ ግና እቶም ምእመናን ነቶም ወረርቲ ስለዝፈርሑ ነዛ ተኣምራዊት እምኒ ሓብእዋ፤ ከይተፈልጠት ድማ ተሠዊራ ንመዋእል ትነብር ነይራ። ግና እዛ ጥንታዊት መካን ዳግማይ ኣብ ትሕደሰሉ እዋን (1987) ተረኺባ ብግሁዶ ክትረአን ብኽብሪ ክትዕቀብን ክኢላ ኣላ። 

ደብረ ምጥማቅ ኣብ ደብረ ሲና 
ምስዚ ክብረ በዓል ብዝመሳሰል ኣብ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ገዳም ሃገርና ዝኾነት ደብረ ሲና ይኽበር እዩ። እዛ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሃንጸት ገዳም ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላ በርዕድ ካብ ከተማ ዒላ በርዕድ ብወገም ምብራቕ ኣብ ኣስታት ፲፫ ኪሜ ትርከብ። ገዳም ደብረ ሲና (ደብረ ሲሐት) ገዳም እትርከበሉ መካን ድማ ካብ ዘመነ ብሉይ ኣትሒዙ ሥርዓተ ኣምልኾ እግዚአብሔር ዝፈጸመሉ ምንባሩ መዛግብ ታሪኽ ዝምስክርዎን ሃገርና’ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ጥራይ ዘይኮነስ ቅድሚኡን ኣብ ሓደ ኣምላኽ ጸኒዓ ትካየድ ከምዝነበረት ቀዋሚ ምስክር እዩ። እዛ ገዳም'ዚ ካብ ፬ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ድማ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሰመየት ኮይና ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ትኽበር፣ እቲ ቀዳማይ ኣብ ፳፩ ግንቦት ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይን ብብዝኂ ዝንገድን ብድምቀት ዝበዓልን ድማ ፳፩ ሰነ እዩ። ብመሠረት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ብሓፈሻ፡ ጽሑፋዊን ትውፊታዊን ታሪኽ እዚ ገዳም ድማ ብፍላይ ክምዝገልጽዎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ብስደት ናብ ምድሪ ግብጺ አብ ዝወረደትሉ ጊዜ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ኮይና ገዳም ደብረ ሲና በጺሓ ከምዝነበረት ይግለጽ። ኣብዚ ገዳም’ውም አስታት ፬ ኣዋርኅ ከም ዝተቐመጠትን ንንጉሥ ባዜን'ውን እዚ ነገር እዚ ብሕልሚ ስለ ዝተገልጸሉ ሠራዊቱ አኸቲሉ መጺኡ አብዚ ቦታ'ዚ ከም ዝተባረኸ እቲ ታሪኽ ኣስፊሑ ዝገልጾ እዩ። ጐይታ ድማ ምስ ኣዲኡ ነዚ ቦታ'ዚ ከም ዝባረኾን ዓቢይ ገዳም ከምዝኸውንን አብ ዝመጽእ ጊዜ ብስም ቅድስት ድንግል ታቦት ተቐሪጹ ክኣትዎ ኢዩ ኢላ ንንጉሥ ባዜን ከም ዝነገረቶ ታሪኽ ይነግር፣ብድሕሪ'ዚ ብዙኃት ቅዱሳን አቦታት መናንያን ብምኽንያት ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ብብሕትውናን ብሱባኤን አብኡ ንምንባር ከምዝመረጹ ይፍለጥ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ድማ ነዛ ቦታ ድኅሪ ምብራኻ ነዚ ገዳም ክሳብ ሕጂ በረኸታ ዘይተጋደፎ ቃል ኪዳን ኣትያትሉ እያ። 

ንሕና’ውን በረኸት ክብርት ወላዲት ኣምላኽ ንኽንረክብ ቅድሚ ኵሉ ከምቶም ዝቐደሙ ናይ እምነትን ፍቕርን ሰብ ንኹን። በብዘመኑ ካብ ዝነፍስ ናይ ኑፋቄ ንፋስን ማዕበል ፍልስፍናን ርሒቕና ኣብ ሃይማኖት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ንጽናዕ። ንሕተተሉ ጊዜ ኣሎ እሞ ኣብ ዘይግብኣና ዕዮ ተጸሚድና ንቤተ እግዚአብሔርን ምእመናን ካብ ምምቃልን ምምቓልን ነፍሲና ገቲዕና ብሓደ ልቢ ኵልና ናይ ክርስቶስ ምዃንና ኣሚንና ምጕዓዝ ንዓና ዝበለጸ መገዲ ሕይወት እዩ። 

በረኸትን ረድኤትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይኽፈለና።

No comments:

Post a Comment