Saturday, April 16, 2011

፲፫ ሕማማተ መስቀል


ኣብዚ ቅዱስ ዝኾነ ሰሙነ ሕማማት ብፍሉይ ንዝክሮም ፲፫ ዝኾኑ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት እዮም። ንሳቶም ድማ ፲፫ ሕማማተ መስቀል ተባሂሎም ይፍለጡ። እዚኦም ከኣ ጐይታ ብኢድ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ካብ ዝተተሓዘላ ሰዓት ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደን ስሌና ዝተቐበሎምን ጸዋተወ መከራ ዘዘኻኽሩ እዮም። ብክርስቶስ ክርስቲያን ዘበለ ድማ ነዚኦም ሕማማተ መስቀል ምፍላጥን ኣብ ልቡ ምኅዳርን ይግብኦ እዩ። 

ንሕና ብዝቀለለ መገዲ ክንመሃረሎም ምሳሌትነትን ትርጉምን ብዘለዎ መገዲ ኣቦታትና ካብ ሠለስቱ ምእት ኣትሒዞም ፲፫ ኢሎም ንሕማማተ መስቀል ይግለጽዎ (ገሊኦም’ውን ፮ሽሕን ፮ሚእትን ፷፮ ኢሎም ዝገልጽዎውን ኣለዉ) ደኣ እምበር ጐይታ ዝተቐበሎም ጸዋተወ መከራ ክፍቐዱ (ክቍጸሩ) ዝኽእሉን ብቝጽርውን ክውሰኑ ዝከኣል ኣይኮነን። እኳ ደኣ አበው ነዚ ነገር ብምሳሌ ከረድኡ ከለዉ ጸዋተወ መከራ ጐይታ ክፈቅድ ኢየ ኢሉ ዝኅልን ሰብ ከም ጥብጥብ እናበለ ንዝዘንም ዝናም በብሓደ ክቖጽር ኢሉ ወረቐትን ብርዒን ዝቐረበ ሰብ ይመስል ይብሉ። ስለዚ ንሱ ብገቢረ ተኣምራቱ ንዝፈጸሞ ነገር ደቂ ሰባት ብምስጋና ከነስተንትን እምበር ክንጽብጽብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብመንፈስ ዝተቃነዩ ኣቦታትና ግና ወትሩ ምእንቲ ኣብ ልቦናና ክንቀርጾምን ከነስተውዕሎምን ወንጌላውያን ንዝጸሓፉልና ቅዱስ ቃል መሠረት ብምግባር ብኸምዚ መገዲ ኣብ ፲፫ ከፊሎም ትምህርቶም ሓዲጎምልና ኣለዉ እሞ ብኣንክሮ ክንመሃሮምን ከምቲ ለበውኦም ድማ ከነጽንዖም ይግባእ። 

ኣብ ገሊኡ መጻሕፍቲ ኣብ ኣቖጻጽርኦም ሒደት ፍልልይ እኳ እንተሎ ብኸምዚ ኣገባብ ንዝርዝሮም ኣሎና። ንሳቶም ከኣ አክሊለ ሦክን ተኰርዖተ ርእስን፡ ተፀፍዖ መልታሕት፡ ወሪቀ ምራቅ፡ ሰትየ ሐሞት፡ ተቀሥፎ ዝባን፡ ተዐርቆተ ልብስ፡ ርግዘተ ገቦ፡ ተአሥሮተ ድኅሪት፡ ኃሙሽተ ቅንዋተ መስቀልን እዮም። ኣብ ገለ መጻሕፍቲ’ውን ተስሕቦ በሐብል፡ ወዲቀ ውስተ ምድር፡ ፀዊረ መስቀል፡ ተሰቅሎ በዕፅ ዝኣመሰሉ በይኖም ተጻሒፎም ክንረክብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ኵለን ግና በብኣቖጻጽርኡ ኣብተን ፲፫ ሕማማተ መስቀል ዝጥቕለላን ዝጥቀሳን ምዃነን ከነስተውዕል ኣሎና። 

ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ድማ ኣስዒብና ነዘን ፲፫ ሕማማተ መስቀል በብሓደ ክንርእየን ኢና። ርኅሩኅ ኣምላኽና ነቲ ተሪር ልቦናና ከም ልድያ ይኽፈተልና።

፩. አክሊለ ሦክን ተኰርዖተ ርእስን 
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽሊል እሾክ ተኒጎም ኣብ ርእሱ ከምዝደፍእሉን ብበትሪ ርእሱ ምውቕዖምን ምቅጥቓጦምን ዝገልጽ እዩ። እቲ ሹም ጲላጦስ ጫውጫው ኣይሁድ ምስበዝኆ ማይ ወሲዱ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ” እናበለ ኣእዳዉ ድኅሪ ምሕጻቡ ገሪፉ ንካህናት ኣሕሉቕ ኣይሁድን ሽማግለታትን ኣሕሊፉ ሃቦ። ብሕጊ ኣይሁድ ዝተገርፈ ኣይሰቅልን እዩ፤ ዝስቀል ድማ ኣይግርፈን እዩ። ጲላጦስ ግና ኣብ ልዕል ግፍዒ ግፍዒ ክፍጽሙሉ ገሪፉ ክስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም። (ማቴ ፳፯፥፳፬ ማር ፲፭፥፲፭-፲፱ ሉቃ ፳፫፥፳፭ ዮሐ ፲፰፥፴፱) ድኅሪ እዚ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽሊል እሾኽ ደፍኡሉ፤ ርእሱ ድማ ብበትሪ ወቕዕዎ። 

ደቂ ሰብ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ብጸላኢኡ ዲያብሎስ ርእሱ ብኣእሻዅ ኃጢኣት ተትሒዙ ይነብር ነይሩ፤ ነዚ ንምድምሳስን ኣኽሊል ናጽነትን ክብርን ንኣዳም ክመልስን ዝመጸ ጐይታና በደል ኣዳም ጾይሩ ብተንኰልን ላግጺ ኣይሁድን ተታሒዙ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል እሾኽ ገበረ። ኣብ ሲዖል ወዲቑ ርእሱ ብእግረ ኣጋንንቲ ዝቕጥቀጥ ንዝነበረ ወዲ ሰብ ንምድኃን ንሱ ዳግማይ ኣዳም ዝተባህለ ክርስቶስ ብበትሪ ተቐጥቀጠ። ካብ ርእሱ ዝፈሰሰ ደም ድማ ንገጹ ከደኖ። 

ንግሥነት ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ፤ አምላከ አማልክት፡ እግዚአ አጋእዝት፡ ንጉሠ ነገሥት እናተባህለ ብሰማያውያንን ምድራውያንን ዝምሰገን ጐይታ ስሌና ክብል ሰባት ዘውዲ እሾኽ ተኒጎም “ንስኻ ንጉሥ” እናበሉ ተላገጹሉ፤ ርእሱ’ውን ወቕዕዎ። ዝገርም ትዕግሥቲ እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸምዚ እዩ ተገሊጹ እሞ ኣስተውዒልና ንዘክሮ። 

፪. ተፀፍዖ መልታሕት 
ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢድ እቶም ኣእዳዎም ደም ዝተኣልከን በደል ዝለመደን ኣይሁድ እቲ ቅዱስ ገጹ ከምዝተጸፍዐ ዝገልጽ እዩ። ጐይታና ኣብ ቅድሚ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ቀሪቡ ሓቂ ብምዝራቡ ከም “ጸርፊ” ተቖጺሩሉ መላሊሶም መልታሕቱ ገጹ ጸፊዖሞ እዮም። ንገጹ’ውን ብጨርቂ ሸፊኖም “ኦ ክርስቶስ መን እዩ ዝሃረመካ፤ ትንቢት ተዛረብ” እናበሉ ኣላገጹሉ። 

ኣብ ኢድ ጸላኢ ዲያብሎስ ወዲቑ ብነፍሱ መላገጺን መባጨውን ኮይኑ ንዝነበረ ወዲ ሰብ ክብጆ ጐይታ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣይሁድ ኣተወን ተላገጹሉን ድማ። ከምኡ ድማ ጸፍዕዎ። (ማቴ ፳፯፥፳፯) ጲላጦስ ኣሕሊፉ ድኅሪ ምሃቡ’ውን ኣብ ርእሱ እሾኽ ተኒጎም ቀይሕ ባርኖስ ኣልቢሶም “ኦ ንጉሥ ኣይሁድ፡ ሰላም ንዓኻ ይኹን” እናበሉ ብምልጋጽ ገጹ ጸፊዖሞ። (ዮሓ ፲፱፥፪-፬) 

ኣይፈልጥዎን ደኣ እምበር ንሱስ ናይ ክብሪ ጐይታ፤ ብመንግሥቱ ሥዕረት ብባህርይኡ ሕለፈት ዘይብሉ ናይ ዘለዓለም ኣምላኽ እዩ። እዚ ኵሉ ላግጺ ግና ንሕና ካብ ላግጺ ዲያብሎስ ምእንቲ ከድኅነና እዩ እሞ ውዕለት ኣምላኽ ንዘክርን ነስተውዕሎን። 

፫. ወሪቀ ምራቅ 
ርኹሳን ኣይሁድ ሓሶትን ክፍኣትን ብዝመልኦ ኣፎም፡ ብዘጸይፍ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብርሃናዊ ገጽ ጐይታ ጡፍ ምባሎም ዘመልክት እዩ። (ኢሳ ፶፥፮ ማቴ ፳፯፥፳፱-፴ ማር ፲፭፥፲፱) ርስሓት ሕይወት ወዲ ሰብ ከጽርይ፤ ውርደት ወዲ ሰብ ከጥፍእ፤ ንዕቀት ዲያብሎስ ኣብ ወዲ ሰብ ክድምስስ ጐይታ ተተፍዓሉን ተዋረደን። 

ብግብሩን በደሉን ካብ ገነት ንዝተተፍዐ፡ ንዝተሰጐ፡ ንዝተዋረደን ዝተናዕቀን ወዲ ሰብ፡ ይቕረ በሃላይ ኣምላኽና ክርስቶስ ንወዲ ሰብ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ክምልስ ንጹህን ክብሩን ክነሱ ኣብ ክንዲ ወዲ ሰብ ተተፍዓሉ፤ ተዋረደ፤ ተናዕቀ። 

ርግእ ኢልና ነስተውዕሎ። ይትረፍሲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ሰብ እኳ ጡፍ ምባል ክሳብ ክንደይ ነውሪ እዩ። ንሱ ኣቦን ፈጣሪን ኵልና ግን ነውር ኃጢኣትና ክድምስስ በደልና ጾረልና። ጡፍ ኃጥኣንውን ትም ኢሉ ተቐበለ። 

፬. ሰትየ ሐሞት 
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ ጸማእኩ ምስ በለ መጺጽ ሓሞት ከምዘስተይዎ ዝገልጽ እዩ። (መዝ ፷፰፥፳፩) ጸማእኩ ኢሉ ማይ ምስ በሎም ንሶም ግና ብሰፈነግ ገይሮም ምስ ምስ ሓሞት እተሓወሰ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ።” (ማቴ ፳፯፥፴፬ ማር ፲፭፥፴፮ ሉቃ ፳፫፥፫፮ ዮሓ ፲፱፥፳፱) ጐይታና’ውን ነቲ መጺጽ ድኅሪ ምቕባሉ “ተፈጸመ ኵሉ” ኢሉ ነፍሱ ብገዛእ ሥልጣኑ ፈለያ። 

ንማይ ዝፈጠረ ኣምላኽ፤ ሓንሳብ ምስ ሰቴኻ ንዘለዓለም ዘይጽምእ ማይ ሕይወት ዘለዎ ኣምላኽ፤ ካብ ከውሒ ማይ ኣንቂዑ ንጽሙዓት ማይ ዝዕድል ኣምላኽ ሕፍንቲ ማይ እኳ ዘስትዮ ኣይረኸበን። ጐይታ ዝናማትን ማዕበላትን ውቅያኖሳትን ምስ ጸምአስ ማይ ከልእዎ። ኣቤት ጭካነ ወዲ ሰብ! 

ብምኽንያት በደሎም ኣብ ሲዖል ወዲቖም ብጽምኢ ማየ ሕይወት ንዝቃጸሉ ዝነበሩ ደቂ ኣዳም፡ ማይ ሕይወት ምእንቲ ክኾኖም ንሱ ጸማእኩ በለ። ብሰንኪ ኃጢኣቶም ብነፍሶም ተጐሳቝሎም መሪር መከራ ንዝቕበሉ ዝነበሩን ምረረ ገሃነም ንዝጽበዮም ኵሎም ከድኅን፡ ጐይታ ነቲ መጺጽ ሓሞት ጠዓመ። ነቲ መሪር ሕይወት ወዲ ሰብ ንምምቃር ጐይታና ነቲ መሪር ተቐበለን ሰተየን። እዚ ኵሉ ስሌና እዩ እሞ ብልቦናና መንክር ግብርታቱ ኣድኒቕና ነመስግን። 

                                                                                                                         ይቕጽል… 

No comments:

Post a Comment