Sunday, April 17, 2011

ሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ስያመን ትርጉምን

ሰሙነ ሕማማት ማለት ኣብ መወዳእታ ናይ ዓቢይ ጾም ዝርከብ ሰሙን ኮይኑ፡ ካብ ሆሣዕና ምሸት ክሳብ ቅድሚ ትንሣኤ ንዘሎ ቀዳም ለይቲ የመልክት። ብካልእ ኣበሃህላ ቅድሚ ትንሣኤ ዘሎ ሓደ ሰሙን ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ይፍለጥ።
ሐመ ማለት ሓመመ ማለት እዩ። እዚ ማለ ድማ ከም ኣብ ደቂ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝኽሥት ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ሕማም ኣካላት ዘይኮነሲ ንደቂ ኣዳም ካብ ባርነት ሓራ ንምውጻእ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማምን ሞትን ዘይግብኦ ክነሱ ብፈቓዱ ንዝተቐበሎ መከራን ስቓይን ሞትን ዘመልክት እዩ። በዚ ሰሙን እዚ ምእመናን ንኵሉ ዋኒኖም ሓዲጎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ንውዕለት ጐይታ እናዘከሩ ስለ ሕድገት ኃጢኣቶም መዓልትን ለይትን ዝምኅጸኑሉን ዝበኽይሉን ዝሓዝኑሉን ዝሰግዱሉን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጥራይ ፍሉይ ሥርዓት ዝፍጸመላ ሰሙን እያ። ሰሙነ ሕማማት ተባሂላ ምዝካራውን ጐይታ ስሌና ክብል ንዝተቐበሎ ጸዋተወ መከራ ጥራይ ዘይኮነስ ብሰንኪ በደል ኣዳም ካብ ኣዳም ክሳብ ልደት ጐይታ ዘለዉ ደቂ ሰባት ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቖም ብእግረ ኣጋንንት እናተቐጥቀጡ ፭ሺ፭፻ ዓመታት ኣብ ሲዖል ንዘሕለፍዎ ናይ ፍዳን ኵነኔን ዘመን’ውን ዘዘክር ሰሙን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብዛ ሰሙን ዘለዋ ዕለታት ናይ ዘመነ ፍዳ ተምሳሌት ኮይነን ዝግለጻ።

ጐይታና ግና ነቲ ኵሉ በደልና ክድምስሰልና፡ ብሰንኪ በደልና ንዝወረደና ሕማም ድማ ከጥፍኣልና፤ ንሱ ኣብ ክንዳና ቤዛ ኮይኑ ሓመመ። በደልና ድማ ጾሮ። ብዛዕባ እዚ’ውን ነቢይ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ብትንቢቱ ገሊጽዎ ነበረ። “ነሥአ ደዌነ ወጾረ ሕማመነ” - ብሓቂ ንሱ ንሕማማና ጾሮ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፤ ንሕና ግና ብእግዚአብሔር ከምዝተወቕዐን ከምዝተቐዝፈን ከምዝተዋረደን ጌርና ቆጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ ብሰሪ አበሳና ድማ ተኸትከተ። ንሕና ብሰላም ምእንቲ ክንነብር መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ። ንሕና’ውን ብስንብራቱ ሓዌና” (ትን ኢሳ ፶፫፥፬-) ብመሠረት እዚ ትንቢት ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ንድኅነት ዓለም ክብል ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ፤ ጸዋተወ መከራ ስለ ምቕባሉ ዝዝከረሉ እዋን ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ይጽዋዕ። ብካልእ ኣጸዋውዓውን ሰባት ብክርስቶስ ንዝረኸብዎ ጸጋን ክብርን ቅድስናን ከምኡውን ክርስቶስ ኣምላኽና ብፍቕሪ ንዘፈጸሞ ናይ መሥዋዕትነት ካሕሳ ዘዘካኽር ስለዝኾነን ካብ ካልኦት ሰሙናት ተፈልዩ ናይ “ቅድስና ሰሙን” ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ። ደቂ ኣዳም ኵሎም ብትንቢት ነቢያት እናተመርሑ ዝጽበይዎ ዝነበሩ፤ ነዚ ዓቢይን ድንቅን ስራሕ፡ ሰብ ኮይኑ ኣምላኽና ቅድሚ ኣብ መስቀል ምፍጻሙ መወዳእታ ዝገበሮምን ዝተቐበሎምን ነገራት ኵሎም ብፍሉይ ስለእንዝክረሉ ናይ “መወዳእታ ሰሙን” ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ።

ፍሉይነት ኣበዓዕላን ሥርዓትን

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካህናትን ምእመናን ኣብ ኣጸደ ቤተ ክርስቲያን ተጋቢኦም ካብ ሥጋዊን ነገረ ኃጢኣትን ርሒቖም ብዛዕባ ነገረ ሕማሙ ስቅያቱ ንዝዝየም ዜማ ክቕበሉን ክምልሱን፤ ግብረ ሕማማት ተባሂሉ ዝፍለጥ መጽሓፍ ከንብቡን ክሰምዑን ክሰግዱን ክጽልዩን ይቕንዩ። እቲ ሰዓታት ጸሎት ካብ ንዋም ዝጅምር እኳ እንተኾነ በዚ ሰሙን’ዚ ካህናትን ምእመናንን ካብ ነግህ ዝጀመሩ፤ ሠለስቱ፤ ስድስቱ፤ ተስዓቱ ሰዓት ከምኡ’ውን ብሰርክ ብመራሕያን ካህናት እናተመርሑ ኣበርቲዖምን ኣብዚኆምን ዝሰግዱሉን ዝጽልዩሉን ጊዜያት እዩ። ብፍላይ ካህናት ስሌና ክብል ነቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ ስቅያትን መከራን ከምኡ’ውን ነቲ ፭ሽሕን ፭ሚእትን ዘርኢ ኣዳም ኣብ ጸልማት ዝነበረሉ ጊዜ ንምዝካር ጸሊም ልባስ ይለብሱ። ብተወሳኺ በዚ ሰሙን እዚ ንሕማማት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናዘከርና ምስኡ ብምትሕሓዝ ኣብዚ ሰሙን ንዝተፈጸሙ ዓበይቲ ግብርታትን ፍጻመታትን ንዝክረሉ ፍሉይ ሥርዓት ዘለዎ ሰሙን ከኣ እዩ። ገለ ካብኡ ከኣ፦

ብዘይካ ጸሎተ ሓሙስ (ንሱ’ውን ብዓውታ ተሰጥኦ ዘይብሉ ብሎኃሰስ) ኣብዚኣ ሰሙን ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ። ምኽንያቱ ጐይታና ምእንቲ ሥርየት ኃጢኣት ዓለም ዝቘረሶ ቅዱስ ሥጋን ዘፍሰሶ ክቡር ደምን ዘይተፈጸመሉ ዘመነ ፍዳ ንምዝካር እዩ። ስብሐተ ነግህ’ውን ኣይበጽሕን እዩ። ነፍሳት ፍትሓት ሥርየት ዘይረኸባሉ ዘመነ ኵነኔ ንምዝካር ጸሎተ ፍትሓት ኣይጽለይን፤ ከምኡ’ውን ጸሎት ኣሥተስርዮ (ሥርየት) ኣይግበርን። ስለዚ “ፍትሑኒ” ኢልካ ምስላም ኣይፍቐድን እዩ። ጐይታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሞይቱ ክሳብ ዝትንሥእ መስቀል ምልክት መርገም ምንባሩ ንምዝካር መስቀል ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣይንሳለምን ኢና። ትእምርተ መስቀል’ውን ኣይንገብርን ኢና። መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መድኃኒተ ነፍስነ ምዃኑ ዝፈልጥና ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ብምዃኑ ከኣ እዩ። ቅዳሴ’ውን ስለዘይፍጸም ጥምቀተ ክርስትና’ውን ኣይፍጸምም። እዚኦም ኵሎም ቅድሚ ሕማማት ዘሎ ዕለተ ሆሣዕና ይፍጸሙ። እዚ ሰሙን ናይ ሓዘን ብኽያትን ስግደትን እምበር ናይ ሓጐስ ስለዘይኮነ ዝኾነ ክብረ በዓል ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን ዝውዕል እንተደኣ ኮይኑ ድኅሪ ትንሣኤ ኣብ ዘለዉ ሰሙናት ይመሓላለፍ። እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝዝየም ዜማታት’ውን ምስቲ ሕማማት ዝኸይድ ፍሉይነት ዘለዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ዓቢይ ጾም ዘሎ ሥርዓት’ውን ከበሮ ዝኣመስሉ ንዋያተ ማኅሌተ’ውን ክሳብ ክርስቶስ ተሰቒሉ ብሞቱ ሕይወት ንዓና ዝዓደለና ዕለተ ዓርቢ ሰርክ ፈጺሙ ኣይውቃዕን እዩ። መስቀል ምሳልም’ውን የልቦን። ብዙኅ ኣዝማደ መባዕል ኣይብልዑን እዮም። ዝያዳ ስግደትን ጸሎትን ይበጽሕ። ከምኡ’ውን ይሁዳ ንጐይታ ብምስዓም ኣኅሊፉ ከምዝሃቦን ከምዘትኃዞን ንምዝካር ምስዕዓም ኣይፍቀድን እዩ። እቲ ዝጽልይ ጸሎትን ዝንበብ ንባብ መጻሕፍትን ኵሉ ምስ ሕማማቱን ነገረ መስቀሉን ከምኡ’ውን ኣብዚ ሰሙን ምስ ዝፈጸሞም ተግባራት ዝዛመዱን ዝተኣሳሰሩን እዮም። ከምኡ’ውን ሓዘንን ብኽያትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ስቓይን መከራን ጐይታና ንምዝካር ብሓደ ወገን በቲ ካልእ ድማ እዚ ሰሙን እዚ ሰባት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ናይ ምስግጋሮም ምሳሌ ዝዝከረሉ እዋን ስለዝኾነ ብዕለተ ዳግም ምጽኣት ቅዱሳን መላእኽቲ ናይ መለከት ድምፂ እናስምዑ ከምዝመጹ ንምዝክኻርን ምእመናን ድማ ነዚ ጻውዒት ሰሚዖም ኣቐዲሞም ነዚ መጻኢ በዓል ተዳልዮም ክጸንሑ ምእንቲ እቲ ዲያቆን ቃለ ዓዋዲ እናዓወደ (እናደወለ) ንምእመናን የዘካኽር። ወዘተ...

ብሓፈሻ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝሠርዓትልና ድንቂ ሥርዓት ብምስትውዓልን ብስቡር ልቦናን ንስሓን ነዚ ሰሙን እንተደኣ ነሕልፎ ኮይንና ነቲ ምእንታና ክብል ንዝተሰቕለ ክርስቶስ ብዓይነ ኅሊናና ዝያዳ ከምዝተሰቕለ ኮይኑ ክረኣየናን፤ ፍቕሩ ድማ ከነስትውዕሎን ንኽእል ኢና። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት’ውን ነቲ እንሰምዖ ብዓይነ ልቦናና ክንርእዮ ምስ እንኽእል እዩ ቃላትን ፍቕርን እግዚአብሔር ክሓድረና ዝኽእል። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ዝጸሓፈሎም ተግሳጽ’ውን ነዚ ዘዘካኽር እዩ። “ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዐዘመኩም?” (ገላ ፫፥፩) እቲ መከራን ፍቕርን ጐይታ ኣብ ልብና ምስ ዝሠዓል ከኣ እዩ ንብዓትና ካብ ዓይንና ክውሕዝ ዝኽእል። ሓደ ካብቶም ቅዱሳን አበው’ውም ከምዚ ኢሎም ነይሮም። “ተኣምራት ብዘይ ምግባርና ዝወቕሰና የልቦን። ሊቃውንትን ፈላጣትን ብዘይ ምዃንና’ውን ዝኸሰና የልቦን። ብርግጽ ግና ብዘይምብታኽ ስለ ኃጢኣትና ብዘይምብካይና ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንሕተተሉን ምላሽ ክንህበሉ ኢና”። ቅዱስ እንጦንስ’ውን ብወገኑ “ካብ ኃጢኣት ክርሕቕ ዝደሊ ኵሉ ይንባዕን ይብከይን፤ ከምኡ’ውን ብመንፈሳዊ ጸጋ ክዓቢ ዝብህግ’ውን ይብከይን ይንባዕንን” ኢሎም ነይሮም።

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና’ውን ነፍስ ወከፍ መዓልቲ ነናቱ መዘከሪ ግብርታት ዘለዎን ኮይኑ ጐይታ በተን መዓልትታት ንዝፈጸሞም ተግባራት እናዘከርና ድማ ነስተንትነሉን እዩ። ካብዚ ብምቕጻል ጐይታ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዝርከባ መዓልትታት ንዝፈጸመን ተግባራት በብዕለቱ ክንርኢ ኢና እሞ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስትውዓሉ ይዓድለና።

ሰኑይ

ድኅሪ ናይ ሆሣዕና ዑደቱ፡ ጐይታና ብዕለተ ሆሣዕና ቢታንያ ናብ እትበሃል ቁሸተ መጺኡ ሓደረ። ንጽባሒቱ ክነቅል ከሎ ጠመየ እሞ ልምዕቲ ቆጽሊ በለስ ርእዩ ናብኣ ቀረበ። ግናኸ ብጀካ ቆጽሊ ፍረ ዝበሃል ኣይረኸበላን ደጊም ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለዓለም ፍረ ኣይበላዕ ኢሉ ረገማ። ስለዝኾነ ከኣ እዚ ዕለት መርገመ በለስ ዝተፈጸመሉ ዕለት ይበሃል። ከምኡ’ውን ስዒቡ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ዝፈጸሞ ናይ ምጽራይ ግብሪ’ውን ኣብዚ ዕለት ዝዝከር እዩ። (ማር ፲፩፥፲፬-፲፯ ማቴ ፳፩፥፲፪-፲፯ ሉቃ ፲፱፥፵፭-፬፯)
ብጥቕልሉ ጐይታ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ፈጺሙ እዩ። እዚኦም ኸኣ መርገመ በለስን ኣንጽሖተ ቤተ መቅደስን (ምንጻሕ ቤተ መቅደስን) እዮም።

መርገመ በለስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር እዩ። (ዮሓ ፩፥፩-) ኣምላኽና ድማ ብባህርይኡ ጥሜት ዝሰማምዖ ኣምላኽ ኣይኮነን። (ኢሳ ፵፮፥፳፭) ጐይታና’ውን ኣብ መዋዕለ ትምህርቱ ነቶም ክበልዕ ዝሓተትዎ ሓዋርያት “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።” (ዮሓ ፬፥፴፭) ብምባል እዩ መሊሱሎም። ናይ ጐይታ ጥሜት ከማና ብንዴት ብምስኣን ዝመጸ ከምዘይኮነ እናስተውዓልና፤ ንሱ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ብሓደ ኣካል ብሓደ ባህርይ ዘሎ ስለዝኾነ ኣይጠመየን ኣይንብል ኢና።። ግና ንሰማያውያን መላእኽቲ ከይጠምዩን ከይጸምኡን ገይሩ ዝፈጠረ ኣምላኽ፤ ነቲ ዝረአ ዘይረአን ፍጥረት ዓለም ካብ ዘመን ናብ ዘመን ዝስስይ ኣምላኽ፤ ኣብ ብሉይ ንእስራኤላውያን ሓረስታይ ኣብ ዘይሓርሰሉ፡ ዘርኢ ኣብ ዘይርከበሉ፡ ማይ ኣብ ዘይዘንመሉ በረኻ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሕዝቢ ማና እናውረደ ን፵ ዓመት ዝመገበ፤ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኅብስት አበርኪቱ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሕዝቢ ዝመገበ ኣምላኽ እዩ “ጠምዩ” ምባሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እወ ክምህረና ዝደለዮ ነገር ስለዘሎ እዩ ከምኡ ዝበለ። መጽሓፍ’ውን ጥምየት ጐይታ ጥምየት ፍረ በለስ ዘይኮነስ “በለስ ብሂል ቤተ እስራኤል እሙንቱ” ከምዝተባህለ ብበለስ ካብ ዝተመሰሉ እሞ ቀዳማይ ናብኦም ወገናቱ ዝመጸሎም ቤት እስራኤል ሃይማኖትን ሰናይ ምግባራን ምድላዩን ምብሃጉን ዘመልክት እዩ። ብመንጽረ በለስ’ውን ፍረ ስለዘይተረኽባ ዝተረገመት ድማ እስራኤል እያ። ተምሳሌያዊ ትምህርቱ ስዒብና ንመልከት።
  • በለስ ናይ ቤተ እስራኤል ምሳሌ ክትከውን ከላ ፍረ ዝተባህለ ድማ ሃይማኖትን ምግባርን እዩ። ጐይታ ካብ እስራኤል ፍቕርን ሃይማኖትን ሰናይ ምግባርን ደልዩ ናብኦም እኳ እንተመጸን እንተመሃሮም’ውን ፍረ ኣይረኸበሎምን። እኳ ደኣ ንትምህርቱ ተጻረርዎ። ጐይታና ነቲ ዝደለዮ ብዘይርምካቡ ድማ ንጉባኤ ኣይሁድ ረገመ። ብመንጽር በለስ ኣብ ጉባኤ ኣይሁድ ንዝነገሠ ኃጢኣት ከምዝረገመ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከረድእ ከሎ ድማ “በአንጻረ በለስ ረገማ ለኃጢአት” በለ።
  • ቤተ እስራኤል እዚ መርገም በጺሕዋ እዩ። ሕዝበ እግዚአብሔር ተባሂላ እትፍለጥ እስራኤል ደጊም ነቢይነት፡ ክህነት፡ መሥዋዕት ካባኺ ኣይረኸቡ ኢሉ ስለዝረገማ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ትንቢት ክህነት መሥዋዕት ካብ እስራኤል ጠቒሊሎም ጠፍኡ።
  • እቶም ሕግን ትንቢት ዝተነግሮም፤ ምሳሌ ዝተመሰለሎም፤ መጻሕፍቲ ዝተዋህቦም፤ መማህራንን ነቢያትን ዝተሰደሎም እስራኤል ካብኦም ክርከብ ዝግብኦ ፍረ ብዘይምርካቡ ተረጊሞም እዮም። ብኣንጻሩ ኣሕዛብ ናይ ቃሉ ትምህርቲ ሰሚዖም፡ ተኣምራት ኢዱ’ውን ርእዮም ብእኡ ስለዝኣመኑ ጸጋ ውልድነት ረኸቡ። ብዛዕባ እዚውን ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮሓንስ ከምዚ ይብል ፦ “አሕዛብ አስተጋብኡ ጽጌረዳ ብኂሩቱ፡ ወሶኩሰ ተርፈ ኀበ አይሁድ ዘውእቱ ሕፀተ ሃይማኖት” (ኣሕዛብ ብጸጋ እግዚአብሔር እምባባ ኣከቡ፤ ብወገን ኣይሁድ ግና ኣእሻዅ ተረፈ፡ እዚ ኸኣ ጕድለት ሃይማኖት እዩ) እምበባ ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ውልደነት ምሳሌ ክኸውን ከሎ ብኣንጻሩ ድማ እሾኽ ናይ መርገም ምሳሌ እዩ።
  • በለስ ናይ ኦሪት ምሳሌ እያ። ጐይታ ንኦሪት ኣብዚ ዓለም’ዚ ጸኒዓ ምስረኸባ ኦሪትን ነቢያትን ክሥዕር ኣይመጻኹን ክፍጽም እምበር ብማለት ፈጸማ። ሕገ ኦሪት ምፍጻም እንተዘይኮይኑ ብኣኣ ምድኃን ኣይገበረላን። እኳ ደኣ ፍረ ብኣኺ ኣይረኸብ ኢልዋ። ከም ምንቃጽ ድማ ቀልጢፋ ኃለፈት። ብናይ ሓዲስ ኪዳን ናይ ድኅነት ዘመን ድማ ተተከአት።
  • በለስ ናይ ኃጢኣት ምሳሌ እያ። ቆጽሊ በለስ ገፊሕ ከምዝኾነ ኃጢኣት ኣብዚ ምድሪ ኣስፋሕፊሓን ጸኒዓን ረኸባ። በለስ ክበልዕዎ ከለዎ ንጊዜኡ ይጥዕም ጽኒሑ ግና መቐረቱ ይልውጥ። ኃጢኣት’ውን ክፍጽምዎ ከለዉ ባህ የብል። ፍጻሚኡ ግና ምረት ሓዘን እዩ። ኣባኺ ፍረ ኣይረኸብ ምባሉ’ውን ብፍዳ ኃጢኣት ተታሒዙ ወዲቑ ዝተርፍ ኣይንበር ማለቱ እዩ፤ እታ በለስ’ውን ምስተረግመት ቀልጢፋ ምንቃጻ ብምኽንያት ኣዳም ዝረኸበትና ዕዳ በደል ብጐይታ ዝተደምሰሰልናን ዝጠፍኣልናን ምዃኑ ዝገልጽ እዩ።
አንጽሖተ ቤተ መቅደስ

ድኅሪ እዚ ጐይታ ካብ ቢታንያ ወጺኡ ናብ ቤት መቕደስ እዩ ዝኸደ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ፡ ቤተ ጸሎት፥ ቤተ መሥዋዕቲ ምዃኑ ተሪፉ መሻየጥን መናገድን ኮይኑ ስለዝረኸቦ “ቤተይ ቤት ጸሎት ትበሃል ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓላሉ ገበርኩማ..” (ማቴ ፳፩፥፲፫)። ብምባል ንኵሉ መሻየጢ ሰደቓታቶም ገላበጦ፤ ዕዳጋኦም ድማ በተኖ፤ ብጭጉራፍ ድማ ሰጐጎም። እዚ ዘርእየና መሕደሪኡ መቅደሱ ክንከውን ዝመደበና ንሕና ደቂ ኣዳም፡ ኣብ ዓዘቕቲ ኃጢኣት ጥሒልና ስለዝተረኸብና ንኵሉ ኃጢኣትና ከምዘርሕቐልና ዝገልጽ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ አንጽሖተ ቤተ መቅደስ ዝተፈጸመላ ሰኑይ ተባሂሉ እትፍለጥ።
ሕጂ’ውን በዚ ግብሩ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መኅደሪኡ ንዝኾነ ቅድስት ቤቱ ከምዘኽብር፤ ካልእ ዘይግባእ ነገር ኣብኣ ክፍጸም ንሓዋሩ ከምዘይዕገሥ ዘርኣየሉን መልእኽቲ ዘመሓላለፈሉን እዩ። ንሕና’ውን ኣብ ቅድስት ቤቱ ይኹን ኣብ ዝቐደሶ ሰብነትና (መቅደሱ) ብንጽሕና ክነመላለስን ክንዕቅቦን ሕጉን ሥርዓቱን ኣኺብርና ክንከይድ ከምዝግባእና የረድኣና ኣሎ።


                                                                                                                  ይቕጽል…

1 comment:

  1. ጽቡቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ሃናጺ ትምህርቲ ኢዩ።
    ቃለ ሕይወት የስምዓልና

    ReplyDelete