Tuesday, April 19, 2011

ሰሙነ ሕማማት

ካልኣይ ክፋል

ሠሉስ 
ሠሉስ መዓልቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብዕለተ ሰኑይ ዝፈጸሞ ተግባር መሠረት ገይሮም ምኽንያት መኽሰሲ ክረኽቡ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ንጐይታ ዝሓተትሉ እዋን እዩ ነይሩ። ሞቱ ብዝምልከት ብዝያዳ ካብ ሰኑይ ኣትሒዞም ኣጽኒዖም ክመኽሩ ጀሚሮም ስለዝነበሩ ነቲ ንዓታቶም ካብ ቤተ መቅደስ ብምስጓግ ካብ ዝፈጸሞ ተግባራት ብምብጋስ በየናይ ሥልጣን ነዚ ይገብር ከምዘሎን ካልእን ሕቶታት ሓተትዎ። ስለዚ ድማ እዛ ኣብ ሰሙነ ሕማማት እትርከበ ሠሉስ መዓልቲ መሕትት (ሕቶ) ተባሂላ’ውን ትፍለጥ እያ። ብካልእ ድማ እታ ፍረ ብዘይምሃባ ሰኑይ ዝተረግመት በለስ ሰኑይ ክትቕምስል (ክትነቅጽ) እንተጀመረት’ውን ፈጺማ ነቒጻ ዝተረኽበት ሠሉስ መዓልቲ እያ። 

ኣይሁድ ፈሪሳውያን ብትምህርቲ ጐይታ ወትሩ ቀናእቲ ብምንባሮምን ኵሉ ሰብ ድማ ይስዕቦ ኣሎ ብምባል ይሓሙ ስለዝነበሩን ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ዝመስሎም መስቀላዊ ሕቶታት ብምሕታት ጐይታ ምስ ገዛእቲ ዓለምን (ቄሳራታት ሹመኛታቶምን) ሕዝቡን ከባእስዎ ተንኰል ካብ ምእላም፡ ፈተነ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕሉን ነበሩ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰሙን’ውን ፋሲካ ንምኽባር ናብ ኢየሩሳሌም ምምጽኡ ኣይተርፍን፤ ብዙኅ ሕዝቢ’ውን ብትምህርቱን ተኣምራቱን ይስዕቦን ይኣምነሉን ኣሎ፤ ንሕና ከ ንመን ሒዝና ክንተርፍ ኢና፤ ኣብ ትምህርቱ ድማ ንግብርታትና የቃልዖ ኣሎ ብምባል ኣዝዮም ተሻቒሎም ነይሮም። በዚ መሠረት ድማ ብዓቢ ኽብሪ ብህጻናትን ኣዕሩግን እንተላይ ብኣእባን ቢታንያ እናተመስገነ ናብ ቤተ መቅደስ ምእታዉን፡ ነታ መሻቐጢን መናገዲን ገይሮሞ ዝነበሩ ቤተ መቅደስ ዕዳጋታቶም ገማጢሉ ስለዝሰጐጎምን ብጭጉራፍ ገይሩ ብውርደት ስለዘባረሮምን ከምኡውን ሓቀኛ ዕላማ ቤተ መቅደስ ድማ ብምንጋር ነቲ ክፉእ ግብሮም ስለዘጋህዶን ስለወቐሶምን ሻቕሎቶም ሰማይ ዓሪጉ ነበረ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣይሁድ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ነቲ ምኽሪ ሞት ክሕግዞም ዝኽእል ዝበልዎ ነገር ክሰርሑን መኽሰሲ ምኽንያት ከናድዩን ሓዲሮም ብጽባሒቱ ሠሉስ ሕቶታት ዝሓተትዎ። 

እቲ ሕቶ ድማ “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ” ዝብል ነበረ። (ማቴ ፳፩፥ ፳፫-፳፯ ማር ፲፩፥፳፯-፴፫ ሉቃ ፳፥፩-፰) ነቲ መስቀላዊ ሕቶኦም ክምልስ ከሎ ብናተይ ሥልጣን እየ ዝገብር እንተበለና ምስ ሮማዊ መንግሥቲ ከነባእሶ ኢና ዝብል ነበረ። ምኽንያቱ ዕዳጋን ንግድን ክተክልን ክነቅልን ዝኽእልን ብኸመዚ ዓቢ ምስጋና ክምስገን ዝግብኦ ንጉሥ ክኸውን ኣለዎ ብምባል እዩ። ነገሥታት ድማ ብሥልጣኖም ዝመጽእ ከምዘይጻወርዎ ርዱእ ነገር ምዃኑ ኣብ ልደት ጐይታ ብሄሮድስ ዝተቐትሉ ፻፵፬ እልፍ ዝኾኑ ህጻናት ምዝካር እኹል እዩ። ብናቶም ሕሳብ ድማ ጐይታ ካብ ምድራውያን ነገሥታት ኣይኮነን ክህነት ካብ ዝግብኦም ሌዋውያን’ውን ኣይኮነን፡ ብኸመይ ደኣ ዕዳጋና ክብትን ሕጊን ትእዛዝን ዘለዎ ትምህርቲ ክምህር ከምኡ’ውን ተኣምራት ክገብር ዝኽእል እናበሉ እዮም በየናይ ሥልጣን ክገብር ከምዝኸኣለ ክፍልጡ ደልዮምን ተንኰል ተኒጎም ናብኡ ዝመጹ። ንሱ ግና ልብን ኵሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ስለዝኾነ ከም ወትሩ ክፍኣቶም ፈሊጡ ሕቶኦም ብሕቶ መሊሱ ኣሕፈሮም። “ጥምቀት ዮሐንስ ካበይ እያ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ” ብምባል ድማ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ንሓድሕዶም ተዛራሪቦም “ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ? ክብለና እዩ ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሐንስ ኲሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንሕዝቢ ንፈርህ።” ብምባል “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ጐይታ ድማ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም ይብል ቅዱስ መጽሓፍ። በዚ ድማ ነቲ ሓቂ ልቦም እናፈለጠ ሓፊሮም ከዱ። ብተዘዋወሪ ግና ብሥልጣኑ ምዃኑ እዩ ነጊርዎም ዝነበረ። ኣስዒቡ ድማ “አማን አማን እብለክሙ ከመ መጸብሐውያን ወዘማውያት ይቀድሙክሙ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር..” (ተገውትን ኣመናዝርን ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ኢሉ ብምስላ ገይሩ ስለዘይምእማኖምን ግብሮምን ወቐሶም። ኣይሁድ ፈሪሳውያን ሓቀኛ መንነቶም ብምቅላዕ ሰፊሕ ተግሳጻዊ ትምህርቲ ዝሃበሉ’ውን ኣብዚ መዓልቲ እዩ። (ማቴ ፳፫) 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ሠሉስ ካልእ ሕቶታት’ውን ተሓቲቱን ተወሳኺ ትምህርቲ’ውን ምሂሩ እዩ። ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ፡ ትንሣኤ ሙታን፡ ወዲ ዳዊት ዝተባህለ መን ምዃኑ ዝምልከቱ ሕቶታት ዝመለሰሉን ብምስላ ገይሩ ድማ ዝመሃረሉን ኣብዚ ዕለት እዚ እዩ። (ማቴ ፳፩፥፰ ማር ፲፪፥፪ ማር ፲፫፥፴፯ ሉቃ ፳፥፱ ሉቃ ፳፩፥፴፰) እዚአን ትምህርትታቱ ድማ ትምህርተ ሠሉስ ተባሂለን ይፍለጣ። ብተወሳኺ’ውን ጐይታ ኣብ ቤተ መቅደስ ነዊሕ ትምህርቲ ዝመሃረሉ ዕለት’ውን ስለዝኾነ መዓልቲ ትምህርቲ’ውን ተባሂላ ትፍለጥ እያ። 

ካብዛ ዕለት’ዚ እንመሃሮ መልእኽቲ እውን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ካብ መርገምን ሞትን ክንድኅን ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ከነፍርይን ጐይታ ናባና መንፈሳዊ ፍረ ደልዩን ብሂጉን ኣብ ዝመጸሉ እዋን ቖጽሊ (ሃይማኖት) ጥራይ ዘይኮንስ ፍረ (ሰናይ ግብሪ) ሒዝና ክነጽንሖ ከምዝግባእ እዩ። ነዚአን ክልተ ነገራት ኣጣሚርና ምስ ንሕዝ ከኣ እዩ ብምሕረቱ ቀንዴልና ኣብሪህና ነቲ መርዓዊ (ክርስቶስ) ክንቕበል ድልዋት ክንከውን እንኽእል። ኣይኮነን “ሑሩ እምኔየ” ዝብል ፍርዲ መርገምን ሞትን ከምዝጽበየና ከነስተውዕል ኣሎና። ገሃነም ንደቂ ሰባት ተባሂሉ ዝተፈጥረ ኣይኮነን፤ ንዲያብሎስ እምበር። ይኹን ደኣ እምበር ጐይታ ስሌና ክብል ንዝፈጸመልና ዓበይቲ ግብርታት ኣስተውዒልና ክንስዕቦን ቃሉን ትእዛዙን ኣኽቢርና ክንፍጽሞም እንተዘይክኢልና ዕጫና ዘለኣለማዊ ጸልማት እዩ። ርኅሩኅ ኣምላኽና ግና ጥፍኣት ሓደ ሰብ ዝፈቱ ኣይኮነን። ኵልና ብንስሓ ናብኡ ክንምለስ መንፈሳዊ ፍረ ከነፍሪ ይጽውዓና ኣሎ እሞ ንስምዓዮ። ኣብ ጊዜኡ ተመሊስና ቃሉ ሰሚዕና እንተደኣ ስንቂ መንፈሳዊ ቋጺርና “ንዑ ኀቤየ ብሩካነ አቡየ” ክብለና እዩ። 

ካልእ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት’ውን ንጐይታ ምፍትታን ከምዘይግባእን፡ ንሕና’ውን ብሓቂ ኣብ መገዲ ክርስትና እንተሎና ብሰባት ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ዝገበርና ክፉእ እንፍደየሉ ጊዜ ክህሉ ስለዝኽእል ብኵሉ ክንግረም ከምዘይብልና ዘረድእ እዩ። ዘለአለማዊ ሥልጣን ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ፤ ከም ፍቓዱ ንሰባት ሥልጣን ዝህብ ኣምላኽ፡ እንተላይ ነቲ ሒዞም ዝነበረ ሥልጣን ዝሃቦም ንሱ ክነሱ ብኃጥኣንን ክፉኣትን ሰባት ነዚ ሥልጣን ዝሃበካ መን እዩ ተባሂሉ ተሓቲቱ እዩ። እዚ ድማ መን ምዃኑ ስለዘይፈልጥዎ እዩ። ዝምርምር እምበር ዝምርመር ኣምላኽ ምዃኑ ኣየስተውዓልዎን። ሕቶኦም’ውን ናይ ቅንዕና ኣይነበረን። ንሱ ግና ንሕቶኦም ብሕቶ መሊሱሎም። ጐይታ ከምቲ ንዓይ ዝገበሩኒ ንዓኻትኩምውን ከምኡ ክገብሩኹም እዮም ከምዝበለ ኣብ ፍኖተ ሕይወት ንዘለዉ ደቂ ሰባት ብዙኅ ተጻብኦ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክመጾም ይኽእል። ንኵሉ ግና ብትእግስትን ጥበብን ምሓዙ ከምዝግባእን ምምላስ ከምዝከኣል’ውን ጐይታ ምሳሌ ገዲፉልና እዩ። 

ብተወሳኺ’ውን ናይ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽነት እቶም ቅድሚ ፪ሺሕ ዓመት ዝነበሩ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ይጠራጠሩ ከምዝነበሩ ሎሚ’ውን ብርእሲ ማዕዝን ዝኾነ ኣምላኽና ክርስቶስ ዝዕንቀፉ ዝጠራጠሩ (ሎቱ ስብሓት!) ዘይስሙ ዝህብዎ ኣዝዮም ብዙኃን እዮም። ንሱ ንዘለዓለም ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሥላሴ ሓደ እዩ። ንሱ ፈጣሪ ኵሉ እዩ። ንሱ ስሌና ክብል ሰብ ዝኾነን ስለ ምድኃንና’ውን ጸዋተወ መከራ ተቐቢሉ ዝተሰቕለን ዝሞተ ዝተንሠአን ዝዓረገን እዩ። ይኹን እምበር ሎሚ’ውን ዓለም ትስሕቶ ኣላ። ብዘይምፍላጣን ምስትውዓላን ትዕንቀፍ ኣላ። ክብሩ ተትሕቶ ኣላ። መን እዩ ኢላ’ውን ብመስቀላዊ ሕቶታት ክትፍትኖን ሥልጣኑ ክትፈልጦን ትደሊ ኣላ። ኣካሉ ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዚ ኵሉ ፈተና ዝመጻ ዘሎ ናይ ክርስቶስ ስለዝኾነት እዩ። ሎሚ’ውን ቤተ ክርስቲያን ንኵሉ መልሲ ኣለዋ። ርእሳን ኣምላኻን ክርስቶስ ምዃኑ ኣርጊጻ ትነግር ኣላ እሞ ደቂ ሰባት ኣስተውዒልና ንኺድ። ካብ መንጠልቲ ተዃሉ ድማ ንጠንቀቕ። ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ ኢሉ ባዕሉ ጐይታ ኣብ ፊልጶስ ዘቂሳርያ ከምዝሓተተ እሞ እግዚአብሔር ንዝገለጸሉ ዓቢን ቅኑዕን መልሲ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝመለሰ ንሕና’ውን መልስና መልሲ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ዓለም ብዙኅ መደናገሪ ኣበሃህላታት እኳ እንተለመደት ንሕና ግና ኣብ ትምህርትን ሃይማኖትን ሓዋርያት ጽኒዕና ንንበር። 

ረቡዕ 

ኣብ ረቡዕ ሠለስተ ነገራት ተፈጺሞም እዮም። እቲ ቀዳማይ ኣሕሉቕ ካህናትን ጸሓፍት ፈሪሳውያንን ብሓፈሻ ማኅበረ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሞት ጐይታ ምኽሮም ዝፈጸሙሉ ዕለት እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ጐይታ ኣብ ቤት ስምኦን እንከሎ ሓንቲ ኃጥእት ሰበይቲ ኅድገት ኃጢኣት ክትርከብ ኢላ ናብ ጐይታ መጺኣ ጥዑምን ክቡርን ጨና ዝለኸየትሉ፡ ብንብዓት እግሩ ዝሓጸበትሉ፡ ብጨጉራ ድማ ብንብዓት ንዘጠልቀየቶ ኣእጋሩ ዝደረዘትሉን ዕለት እዩ። እቲ ሣልሳይ ድማ እቲ ከሓዲ ይሁዳ ናብ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ካህናትን ብምኻድ ንጐይታ ኣሕሊፉ ክህብ ከምዝተሰማምዐን ፴ ቅርሺ ዝመዘኑሉን መዓልቲ እዩ። 

ምኽረ ሞቱ 

ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንጐይታ፡ ማኅበራተ ኣይሁድ በብእዋኑ ክፈታተንዎን፡ ዝቐትሉሉ ኣጋጣሚታት ክጣበቡን፡ ምኽሪ ክገብሩን ብዙኅ ደኺሞምን ጽዒሮምን እዮም። ክቐትልዎ ዝፈተኑሉ ጊዜ እንተነበረ’ውን ተሰቒሉ ንዓለም መድኃኒት ዝኾነሉ ጊዜኡ ስለዘይኣኸለ ግና ገለ እኳ ክገብሩ ኣይተኻእሎምን ነይሩ። ምኽንያቱ ጐይታ ኵሉ ብፍቓዱን ብሥልጣኑን ዝገብሮ ስለዝኾነ። ስለዚ እዩ ድማ “ጊዜይ ገና ኣይበጸሐን” “ጊዚኡ ስለዘይኣኸለ” እናበለ ኣብ ብዙኅ ፍጻመታት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክገልጽ ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ምሴተ ሓሙስ ግና “እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሓዝ እዩ።” ክብል ብፍቓዱን ኵሉ ብመደቡን ዝኾነ ምዃኑ ዝገለጸልና። ጸሓፍት ፈሪሳውያን፤ ዓበይቲ ሽማግለታትን ሊቃውንትን ሰዱቃውያንን ካልኦትን ኵሎም ግና ንጐይታ ዝሕዝሉን ኣሕሊፎም ንሞት ዝህቡሉን ምኽሪ ኣቐዲሞም እኳ ከመላልስዎን ክሓስብዎን እኳ እንተጸንሑ ምኽሮም ዝሓዘሎምን ፍጻመ ዝረኸቡሉን ግና ኣብዛ መዓልቲ እዩ ነይራ። 

በዛ ዕለት እዚኣ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ንጐይታ ከመይ ገይሮም ከም ዘትሕዝዎ ምኽሮም ዝፈጸሙላ ዕለት ስለዝኾነት ዕለተ ምኽረ ኣይሁድ (መዓልቲ ምኽሪ) ተባሂላ ትጽዋዕ። ንሳቶም ብሊቀ ካህን ቀያፋ ብዝምራሕ ጉባኤ ኣይሁድ (ሲኒሃ ድርየም) ድኅሪ ብዙኅ ምኽሪ ይሙት ኢሎም ክውስኑ ከለዉ ሓደ ስክፍታ ግና ነይርዎም። እዚ ኸኣ ንሞት ክውስኑ ከለዉ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብትምህርትን ተኣምራትን ጐይታ ብዙኃን ይስዕብዎ ስለዝነበሩን ኣብ በዓለ ፋሲካ ድማ ብዙኅ ሕዝቢ ስለዝእከብ እንታይ ንግበር ዝብል በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ድማ ክገብርዎ ብዝሓሰቡሉ ጕዳይ ዕግርግር ህውከት ከይፍጠር ስግኣትን ጭንቀትን ነበሮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ጭንቂ ኵነታት ከለዉ ካብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ሓደ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኣብ ማእከሎም ስለዝተረኽበ ናይቲ እኩይ ምኽሮም ተሓጋጋዚ፡ ብርቱዕ ጭንቀቶምውን ፈታሒ ዝረኸቡ መሲሉ ተራእዮም። (ማቴ ፳፮፥፩-፲፬ ማር ፲፬፥፩-፪ ፲፥፲፩ ሉቃ ፳፪፥፩-፮) ንክሰማምዕዎ ድማ ኣይደንጐዩን። ንጥፍኣት ኣዝዮም ተቐላጠፉ። 

በዚ ዕለት ናይ ጐይታ ምኽረ ሞት ስለዝተፈጸመን ንድኅነት ዓለም ዝኸውን ሞቱ ስለዝተወሰነን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ጾመ ድኅነት” ኢላ በብሰሙኑ ክጽወም ኣዊጃቶ ትርከብ። ንሳቶም በቲ ሕዝቢ ተቐባልነቶም ከይሃስስ፤ ክብሮም ከይጐድል፤ ቀኒኦም ብክፍኣት “ይሙት” ኢሎም እኳ እንተወሰኑ፤ ኣብ ዕለተ ዓርቢ’ውን ክርስቶስ ምእንቲ ክስቀል ነቲ ሕዝቢ “ስቐሎ” እናበለ ብዓውታ ንጲላጦስ ከጫንቑሉ ውዲት እኳ እንተገበሩ ኣዳምን ደቁን ግና ነቲ መድኃኒቶም ሞይቱ ሞቶም ክድምስሰሎምን ድኅነት ክሰብከሎምን ካብ ኣሽሓት ዘመን ጀሚሩ ብተስፋ ይጽበይዎ ነበሩ። 

ማርያም ኃጥእት 

እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ጥዑም ጨና ብኢድ ማርያም ኃጥእት ዝተለኸየላን፡ ኃጢኣት እታ ዘማዊት ዘሥተስረየላን መዓልቲ እያ። ከመይሲ ጐይታ ኣብ ቤት ስምኦን ዘለምጽ እንከሎ መዋዕላ ኣብ ዝሙት ተዋፊራ ዝነበረት ማርያም ኃጥእት ደጊም ብኃጢኣት ተበላሽዩ ንዘሎ ሕይወተይ ልክዕ ከም ጥዑም ጨና ዘማእዝወለይ ንኃጢኣተይ ዝኃድገለይ ጐይታ መጸ ብምባል ክቡር ዝዋግኡ ኣልባስጥሮስ ዝተመልአ ጨና ኣብ ርእሱ ብምንስናስ ዝለኸየትሉ ኣብ እግሩ ወዲቓ ድማ ብንብዓታ ዝሓጸበትሉን ብጨጉሪ ርእሳ ድማ ዝደረዘትሉ ዝዝከረሉ መዓልቲ እያ። (ማቴ ፳፮፥፮-፲፫ ማር ፲፬፥፱ ዮሐ ፲፪፥፰) ስለቲ ንሳ ዝገበረቶ ሰናይ ተግባር ድማ ጐይታ “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ኢሉ ቃል ኪዳን ኣትዩላ እዩ። በዚ መሠረት ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክብረ በዓላት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ጥዑም ጨና ምንስናስ መዘከርታ ናይዛ ምሕረት ዝረኸበትን ኪዳን ዝተቐበለትን ማርያም ኃጥእትን ምዃኑ ንዝክር። ብኣኣ ኣቢልና’ውን ክፍኣትን ምስሉይ ድንጋጸን ይሁዳን ንዝክር። 

ከሓዲ ይሁዳ 

ይሁዳ ኣቐዲሙ ብእንባቆም ትንቢት ዝተነግረሉ ከምዝነበረ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽዎ እዩ። እዚ ከኣ እቲ እንባቆም ነቢይ ክምህር ውዒሉ ናብ ዓዲ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ኵሎም ኣብ ቅርዓት ዓዲ ዝጸንሕዎ ክብሪ ንምሃብ ካብ ምቕማጦም ተንሢኦም ሰላምታ ከቕርቡሉ ከለዉ ኣቦ ይሁዳ ግና ካብ ዝተቐመጠሉ እምኒ ብዘይምትንሥኡን ንናይ እግዚአብሔር ሰብ ክብሪ ብዘይምሃቡን፡ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ “እምኒ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኣሎ” ብምባል “ኣብኡ ዝቐትል፤ ንኣዲኡ ዘውስብ፤ ንጐይትኡ ዝሸይጥ” ውላድ ከምዝወልድ መርገም ዘለዎ ትንቢት ተነበየሉ። በብሓደ ድማ ኵሉ ተፈጺሙ እዩ። 

ንኣብኡ ኣብ ኲናት ከምዝቐተለ ናብ ኣዲኡ ከምዝኣተወን ኣዲኡን ንሱን ኣብ ዝፈለጡሉ፡ በዚ ግብሮም ተጣዒሶም ከለዉ ጐይታ ትምህርቱ ዝጀመረሉ ዘመን ስለተጋጠመ ናብ ጐይታ ከይዶም ብምንስሖም፤ መሓሪ ዝኾነ ጐይታ ንኣደ ይሁዳ ናብ ፴፮ቱ ቅዱሳት አንስት ክጽንብራ ከሎ ንይሁዳ ድማ ሓዋርያ ክበሃል ኃረዮ። ካብ ሞንጎ ፲፪ተ ሓዋርያት ድማ ዐቃቤ ንዋይ ገበሮ። ይኹን ደኣ እምበር ብእዝኑ ትምህርቲ ጐይታ ይስማዕን ናይ ኢዱን ቃሉን ተኣምራት ይርኣይ ደኣ እምበር ልቦንኡስ ፍቕረ ንዋይ ዝበቖሎን፡ ካብቲ ዝተዋህለለ ገንዘብ ናይ ምልዓል ኣመል ዝነበሮን እዩ። 

ማርያም ብኃጢኣታ እናበኸየት ክቡር ጨና (፫፻ ዲናር ዝዋግኡ) ኣብ ርእሲ ጐይታ ከተፍስስ ከላ “እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ ንብዙኅ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ” ኢሉ ደንጋጺ ድኻ መሲሉ ብቀዳምነት ዝተራእየን ኣብ ውሽጡ ንዝነበረ ፍቅረ ንዋይ ኣግሂዱ ዝተዛረበን ንሱ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዝፈልጥ ኣምላኽ “ድኻታትሲ ዅሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኲሉ ግዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን። እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ።” ብምባል ብዛዕባ ቅድሚ ሞቱ ዝተገብረ ምዃኑ ብምሥጢር ደጊሙ ተዛረበ። ንሱ ግና ከምስል እተዛረቦ እምበር ንድኻታት ደንጊፁስ ኣይነበረን። 

እቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ቅቡል ኮይኑ ስለዘይተረኽበን፡ ነቲ ብምሻጥ ጨና ክረኽቦ ዝኽእል እሞ ዝሰኣኖ ገንዘብ ከከሓሕስ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ፍቅረ ንዋይ ኣገዲድዎ ናብቶም ጸላእቲ ጐይታ ከደ። ይሁዳ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ጐይታ ዝተደጐለ ጽልእን፡ ክሕዝዎ’ውን መገዲ የናድዩ ከምዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርት ጐይታ እዩ ኢሎም ክነጽጉኒ ዶ ይኾኑ ኢሉ ከይተሰከፈ ብስዉር ከይዱ “ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኑ” ኢሉ ውዕል ገብረ። ንሳቶም ድማ ካብ ውሽጢ ደቀ መዛሙርት ጐይታ ከምዚ ዓይነት ከሓዲ ብምርካቦም ተሓጒሶም ፴ ቅርሺ መዘኑሉ። እቲ ዝገርም ዕሽር ናይቲ ዋጋ ጨና ምቕማሮም እዩ። እዚ ዘኅዝን ታሪኽ ኣብ ሠለስተ ወንጌላውያን ተመዝጊቡ ድማ ይርከብ። (ማቴ ፳፮፥፫-፲፮ ማር ፲፬፥፩-፲፩ ሉቃ ፳፪፥፩-፮) 

ይሁዳ ከምቶም ካልኦት ሓዋርያት ትምህርቲ ጐይታ ኣጸቢቑ ዝተማህረ እዩ። ኣብ ብዙኅ መተርጐመ ወንጌል’ውን ከምእንረኽቦ ጐይታ፡ ንይሁዳ ምኽንያት ከይገድፈሉ ብምባል ተኣምራቱ ንሱ ኣብ ዘለዎ ይፍጽም ከምዝነበረ እዩ ዝገልጽ። ካብ ቃና ዘገሊላ ጀሚሩ “ካብዚ ተኣምር ስለዘትረፈኒ ኣብ ሞቱ ኣተኽዎ” ኢሉ መመኽነዪ ከይረክብ ተኣምራቱ ክርእይ ትምህርቱ ክስምዕ ፈቒዱሉ እዩ። በረኸተ ኅብስቱ በሊዑ እዩ። ክፉእ ምኽሩ እናፈለጠውን ካብ ካልኦት ከይፈለየ ትሕት ኢሉ ተንበርኪኹ እግሩ ሓጺቡዎ እዩ። ጐይታ ግና “ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሓዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ” ክብል ኣብ ልዕሊኡ ዝበጽሕ ነገር ከቢድ ምዃኑ ገሊጽዎ እዩ። 

ካልኦት ሓዋርያት ካብ ጐይታ ተማሂሮም ንዘይሓልፍ ፍቕሪ ኣምላኽ ከጥርዩን፡ ንፍቕሪ ድማ ገንዘቦም ገይሮም ብዛዕባ እግዚአብሔር ፍቕሪ ምዃኑ ኣስፊሖም ክምህሩ ከለዉ፤ ንሱ ግና ፍቕሪ ንዋይ ኣታሊልዎ ካብ ናይ ሓዋርያነት ክብሩ ብግብሩ ክፍለይን መርገም ከትርፍን እዩ ተረኺቡ። 

እዛ መዓልቲ’ውን ናታ ዓበይቲ ትምህርትታት ኣለዋ። ማኅበረ ኣይሁድ ንክፋእ ከምዝመኸሩ ንሕና’ውን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ እግዚአብሔር ኣብ ዘይፈትዎ ክፉእ ምኽሪ ከይንሠምር ክንጥንቀቕ ከምዝግብኣና እዩ። ብውልቃዊ ሓሳባትን ሥጋዊ ጥበብን ሕይወትና ካብ ምምራሕ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምኽርን ጥበብን ክገልጸልና ወትሩ ክንልምኖ ከምዝግባእ ከነስተውዕል ኣሎና። ንእግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ነቐድሞ። ንሱ ይምርሓና። ኣብኡ ሰላምን ኵሉ ጽቡቕ ነገርን ኣሎ። ሎሚ ዓለምን ፈተውታን ናታ ስለእተደልይ ኣብ ልዕሊ ኣካልን ቤትን ክርስቶስ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ክንደይ ጉድ ትመክር ኣላ። ክንደይ ከ ብጸላእታ ይእለም ኣሎ ኣብ ጸልማትን ድኅሪ መጋረጃን ኣንጻር ሓድነትን ልዕልናን፡ ደቃን ክብራን፡ ትምህርታን ሥርዓታን ወዘተ ክንደይ ዘይተመኸረን ዘይምክርን ዘሎ እግዚአብሔር ይፈልጦ!! ንሕና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ግና ንሓድነታ፡ ሓዋርያዊ ንዝኾነ ትምህርታን ሥርዓታን ንዕየይ እምበር ኣብ ክፉእ ምኽሪ ጸላእታ ኣይንሥመር። እዚ ኸኣ ሎሚ ዝጀመረ ዘይኮነስ ካብ ጥንቲ ዝጀመረን በብዘመኑን ኣቦታትና ዝተቃለሱሉን ምዃኑን ኢና ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝነገረና እሞ ኣቦታትና ንምሰል። 

እቲ ካልእ ትምህርቲ ድማ ሓቀኛ ንስሓ እዩ። እታ ብዝምውና ትናበር ዝነበረት መልክዐኛ ሰበይቲ ማርያም ኃጥእት፡ ምሉእ ኣካላታ ኣብ ቅድሚ መስትያት ድኅሪ ምርኣያ “ሞት ከሎ እሞ እዚ ኵሉ ጽባቐ እንታይ ይገብር” ኢላ ንነፍሳ ጸሊኣ ሰባት ተስሕተሉ ንዝነበረ ሓጢኣት ዘኪራ በቲ ክፉእ ግብራ ተጣዕሰት። ኃጢኣታ’ውን ከበዳ። “ኃጢኣተይ ክኃድገለይ” ብምባል ብእምነትን ብምሉእ ልብን ነቒላ ድማ ናብ ክርስቶስ ብምኻድ ኣብ እግሩ ወዲቓ ብንብዓት ከምዝለመነቶን ምሕረት ከምዝሃባን ኣብዚ ዕለት እንዝክሮ ታሪኽ እዩ። ጐይታ ድማ ናይቲ ዝሓለፈ ኣይጸብጸበላን። ብፍጹም ጣዕሳ ስለዝመጸቶ ተቐበላ። ንሕና’ውን ብግሁዶ ይኹን ብስውር ካብቲ ንመላለሰሉ ዘሎና ናይ ኃጢኣት ናብራን መገድን ወጺእና ናብ ኣምላኽና ንምጻእ። እንተደኣ ብምሉእ ልብና ተመሊስና ይቕረ ክብለና ኣምላኽና ብቃሉ እሙን እዩ። ንትምህርቲ ጐይታ መሠረት ገይሮም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ኣዕይንተ እግዚአብሔር ናይ ዝተባህሉ ክኣስሩን ክፈትሑን ሥልጣን ናይ ዝተወህቦም ካህናት ጻውዒትን ትምህርትን ድማ ንሱ እዩ። እወ ካህናት’ውን መማህራነ ንስሓ እዮም እሞ ተመለሱ ይብሉና ኣለዉ። ቃሎም ከም ክርስቶስ ብመገዲ ቅድስና ተመላለሱ ዝብል እዩ። ፍትወትን መልክዕን ሃብትን ወዘተ እዚ ዓለም ኵሉ ሓላፊ እዩ። ዘይሓልፍ ቃለ እግዚአብሔር እዩ እሞ ናብ ቤቱ ንመለስ። ኣብኡ ኵሉ ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ኣሎ። 

ካብ ይሁዳ ኸ እንታይ ንመሃር ፭ ሺሕ ፭፻ ዓመታት ነፍሳት እናወሓጠት ተትርፍ ዝነበረት ሲኦል ክትብርበር ከላ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ መተወኒ ሲዖል ኮይኑ ዝተረኽበ ይሁዳ እንታይ ስለዝገበረ እዩ ኢልና ርእስና ንሕተት። ትምህርትን ቃልን ጐይታ ይሰምዖ ነበረ እምበር ኣይነብሮን ነይሩ። ልቡ ብፍቕሪ ገንዘብ ዝተኣስረ እዩ ነይሩ። እቲ ኃጢኣት ድማ ንጐይትኡ ክሳብ ምሻጥ ኣብጽሖ። እቲ ትንቢት ነቢያት ድማ ኣብ ርእሲኡ ተፈጸመ። ንሕና ኸ ልብና ብፍቕሪ ገንዘብን ዓለምን ዝተመልአ ድዩ ዋላስ ንፍቕሪ ክርስቶስ ስፍራ ኣለዎ

ንገንዘብ እምበር ንቃልን ትምህርትን ክርስቶስ ግዲ ዘይብሎም፡ ስለ ምስማዕ ዝሰምዕዎ፡ ስለ ምምሃር ዝመሃርዎን ዝራቀቑሉን ደኣ እምበር ዘይነብርዎ ብዙኃን ንርኢ ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንቤተ ክርስቲያን ስለ ገንዘብን ሥጋዊ ክብሮምን ዝሸጥዋን ኣኅሊፎም ዝህብዋን ናይ ዘመንና “ይሁዳ”ታት ኣዕንትይና ይዕዘቦም ኣሎ። ብርግጽ ሎሚ ቤተ ክርስቲያንና ትሕመስ ዘላ በዞም ናይ ዘመንና “ይሁዳ”ታት ምዃኑ ዘይስተውዓለ እንተሎ ልቢ ይግበር። ዘመንና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ብኣፎም ስለ ዕብየታን፡ ትምህርታን፡ ቅኑዕ ምሕደራኣን ወዘተ ዝጣበቑ ዝመስሉ ደንገጽቲ፡ ብልቦም ግና ክልተ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቃል እግዚአብሔር ዘይሰማማዕ ዕላማታት ኣናቢሮም ዝኸዱ “ይሁዳ” መስሪሑ ኣሎ። ቀትሪ “መላእኽቲ” “ፈላጣት” ዝመስሉ ለይትን ድኅሪ መጋረጃን ግና ግብረ “ሰይጣን” ዘለዎም ይሁዳታት ተቀልቒሎሙሉ ዘለዉሉ ዘመን ስለዝኾነ ምእመናን ነስተውዕል፤ ጸሎት ንግበር። ብርሃንን ጸልማትን ሕብረት ክፈጥሩሉ ዘይሓፍሩ፤ ጽድቅን ኃጢኣትን “ዘራኸብዎ” እዚኦም ናይ ዘመንና “ኣገልገልቲ” ኣብ ልቦም ገንዘብ እምበር ቤተ ክርስቲያን የላን። ምስ ጸልመተን ምስ ኣጸልመቱን ኣይከም እቶም ጻድቃን ኣቦታትና ምኽሮም ምስ እግዚአብሔር ኣይኮነን፤ ምስቶም ገንዘብ ዝምጥውሎም ኣስራሕቶምን መሳርሕቶምን እምበር። እግዚአብሔር ናይ ንስሓ ዕድመ ይዓድሎም፤ ዝበደልዋን ዝብድልዋ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያን ዝኽሕስሉ ዘመን የምጽኣሎም እምበር ብእዋኑ ምስ ዘይምለሱ እግዚአብሔር ስለ ቤቱ ቀናእ እዩ እሞ ነዚኦም’ውን ዕጫ ይሁዳ ክትስዕቦም እያ። 

                                                                                       ይቕጽል… 

No comments:

Post a Comment