Wednesday, April 20, 2011

፲፫ ሕማማተ መስቀል

ሣልሳይ ክፋል

፱-፲፫ ኃሙሽተ ቅንዋተ መስቀል 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢይሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ንዝተሸንከረሎም ኃሙሽተ ተረርቲ ናይ ሓጺን ዓበይቲ መሳምር (ሽንካራት) ዝገልጽ እዩ። እዚኦም ሽንካራት ድማ ነናቶም ስም ዘለዎም ኮይኖም ኣዶር፡ ሳላዶር፡ ዳናት፡ ኣዴራ፡ ሮዳስ ይበሃሉ። እዚኦም ኃሙሽተ ቅንዋት ድማ እቶም ክልተ ናይ ክልተ ኣእዳዉ፡ እቲ ሓደ ናይ እግሩ፡ እቲ ሓደ ድማ ልቡ እቲ ኃምሻይ ድማ ብእንግድዓኡ ኣትዩ ብልቡ ዝወጸ እዩ። ሓደ ናይ እዚኦም ከኣ ናይ ኃሙሽተ ኣእማደ ምሥጢር ተምሳል ምዃኖም ኣቦታት የስተምህሩ። 

ቶማስ ሓዋርያ፡ ድኅሪ ትንሣኤ ፈለማ ጐይታ ንሓዋርያት ኣብ ዝተገልጸሉ ጊዜ ንሱ ኣብ ሞንጎኦም ስለዘይነበረ ጐይታ ከምዝተንሠአን ንሳቶም ከኣ ከምዝረኣይዎ ምስ ነገርዎ “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ” ከምዝበሎም ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና ጐይታ ብሽንካር ኣእዳዉን ኣእጋሩን ጐኑን ተወጊኡ ስለዝነበረ እዩ። (ዮሓ ፳፥፳፭) 

ጐይታናን መድኃኒናን ነቲ ብሽንካረ ኃጢኣት ተትሒዙ ንዝነበረ ኣዳም ሓራ ክገብርን ክምሕሮን ድማ ንሱ ኣብ ክንዲኡ ብሽንካር ኣብ መስቀል ተሸንከረ። 

ስለዚ ፲፫ተ ሕማማተ መስቀል ዝበሃሉ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮም ኢና። በዚኦም ሕማማት ድማ ጐይታ ስሌና ድኅነት ክብል መከራ ዝተቐበሎም እዮም። ንሱ ኣምላኽና ብባህርዩ ቅዱስን ንጹህን ክነሱ እሞ ድማ ብኣፉ ይኹን ብኣእዳዉ ሓቅን ሰናይን እንተዘይኮይኑ ገለ እኳ ዘይተረኽቦ ብፍጡራቱ ደቂ ሰባት እሞ ብኃጥኣንን ርኹሳንን ተናዓቐ፤ ተዋረደ፤ እዚ ዘይበሃል ጸዋተወ መከራ ተቐበለ። እዚ ኵሉ ድማ ንዓና ካብ ደዌ ሥጋ ደዌ ነፍስ ከድኅነና፤ ካብ ሕማመ ሥጋን ሕማመ ነፍስን ዕረፍቲ ክህበናን፤ መድኃኒት ክኾነናን ኢሉ እዩ። ብቑስሉ ንሕና ክንሓዊ ንሱ ስሌና ቘሰለ። ካብ ኣበሳናን በደልናን ይቕረ ኢሉ ከናግፈና ስለ ገበንና ንሱ ተኸትከተ። ንሕና ዕረፍቲ ነፍስ ክንረክብ ንሱ ተሰቓየ። እቲ ኣማናዊ በጊዕ ፋሲካ ክርስቶስ ብፍቓዱ ስለ ኃጢኣትና ንሱ ኣብ መስቀል መስዋዕቲ ኮነ። ኢሳ ፶፫፥፩-፲፫ ዮሓ ፲ ዮሓ ፲፱፥፴ ቀዳማይ ቆሮ ፭፥፯። እወ ንሕና ንኃጢኣት ሞይትና ብሕይወት ክንነብር ጐይታና ንርእሱ ንሞት ኣኅሊፉ ሃበ። 

እምበኣርከስ ንሕማማት መስቀል ክርስቶስ ምዝካርና ንነፍስና ምእንቲ ክንምርምርን ክንፍትሽን እዩ። ከመይ ኣሎና፧ ብሓቂ ዶ ብክርስቶስ ክርስቲያን ዘበልና ኵልና ኣብቲ ክርስቶስ ስሌና ክብል ኣብ ዝተቐበሎን፡ ዝሞተሉን፡ ዝተንሥኣሉን ዕላማን ሕይወትን ዲና ዘሎና ወይስ….፧ ርእስና ንመርምር። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ እዩ ዝብል እሞ ርእስና ነፈትሻ። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ መግለጺ ብዘይርከቦ ዓቢይ ፍቕሪ እዩ ተበጅዩና፤ ብኽቡር ደሙ እዩ ድማ ዓዲጉና። ግና ነዚ ናይ ፍቕሪ ስራሕን ጻውዒትን ኣኽቢርና ኣብ ቃሉ ጸኒዕና ዘይንነብር እንተደኣ ኮይንና ኣብ ሕይወትና ንሞቱ ከንቱ ንገብሮ ኣሎና። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንሕና’ውን ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ዓቢ ውዕለት ፈጺምና ዘንጊዕና ነሕዝኖ ከይንሕሎ ርግእ ኢልና ኣስተውዒልና ነፍስና ንሕተት። ምናልባሽ’ውን ጸሓፍት ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ጐይታ ዝፈጸምዎ በደል ሎሚ’ውን ንደግሞ ከይንህሉ ደው ኢልና ምሕሳብ ከድልየና እዩ። ናብራ ዓለምን ተራፊ ገንዘብን ጥራይ ከጓይየና፤ መዕለቢ ኣብ ዘይርከቦ ደድኅሪ ነፋስ ክንስዕብ ጊዜና ነሕልፎ ከይንሕሉ ምስትውዓል ከድልየና እዩ። ሎሚ ብግብሪ ናይ መን ግዙኣት ኮይንና ኣሎና? ናይ ክርስቶስ ወይ ናይ ገንዘብ፧ 

መስቀል ክርስቶስ ማእክል ክርስትናና እዩ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ኣብ ቀራንዮ እያ ተሠሪታ። ስለዚ ትምክህትና ዝኾነ መስቀል ክንጸውር ኢና ተጸዊዕና እሞ ናብ መስቀሉ ንጠምት። ኣምላኽ ዝገበረልና ውዕለት ወትሩ ኣብ ልቦናና ክንሥዕሎን ክንቀርጾን እንተዘይክኢልና ብግብሪ’ውን ክንነብሮ እንተዘይክኢልና ኣበይ ደኣ እዩ እቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ክግለጽ። ኣምላኽና ብኸምዚ ሕማማት ቤዛ ኮይኑና ክበሃል ከሎ ስሊኡ ክንድንግጽ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ፍቕሩን ስሌና ዝገበሮን ኣስተውዒልና ስለ ርእስና ክንበክይን ክንሓዝንን ስለ ናብ ኣምላኽ ኣጥቢቕና ምምላስን ክንሓስብን እዩ። ኣይኮነን ግና ምሉእ ሓሳባትና ኣብ ዓለም ጥሒሉ፤ ቅዩዳት ፍቓዳት ዓለም ኮይንና ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝገበረልና ውዕለት ከነባጩ፥ ክንጻረፍ፥ ጐኑ ክንወግኦ፥ ንሕና’ውን ክዳኑ ክንገፎ ወዘተ ከይንርከብ ኣጥቢቕና ነፍስና መርሚርና ናብ ቅድስት ቤቱ ንመለስ። ብእግሪ ጥራይ ዘይኮነስ ብልቢ! 

ብሕማማቱ ዝተበጀወና ኣምላኽ ምሕረቱ የብዝኃልና። 




No comments:

Post a Comment