Saturday, April 23, 2011

ሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 


ቀዳም
ቀዳም ሥዑር፦ በዚኣ ዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከርሰ መቓብር ዝወዓለላ መዓልቲ ብምዃና ምእመናን ካብ እኽለ ማይ ርሒቖም ጸይሞም ይውዕሉ። እዚ ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምንን ቅዱሳን ሓዋርያትን ተስፍ ዝገበሩሉ ኣምላኾም ብኣይሁድ ካብ ዝተታሕዘሉ ዕለተ ሓሙስ ክሳብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ዝርእዩ ንሞቱ ብምዝካር፡ ንትንሣኤኡ እናናፈቑ ብጾም ከምዘኅልፍዎ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዘረድእና እዩ። ምእመናን’ውን ነዚ ኣብነት ወሲዶም ዝኽእሉ ካብ ዕለተ ኃሙስ ዘይኽእሉ ድማ ካብ ዕለተ ዓርቢ ኣትሒዞም ክሳብ ሰንበት ትንሣኤ ይጾሙ። በዚ መሠረት ከኣ ጐይታ ኣብ መቓብር ስለዝወዓለ ቀዳም ሰንበት ክነሳ (ሰንበት ብሕጊ ኣይጽወምን እዩ) ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ስለእትጸውም “ሥዑር” ተባሂላ ትጽዋዕ። ብኻልእ ድማ ዲያብሎስ ብመስቀሉ እተሣዕረሉን ነፍሳት ካብ ሲዖል ዝተበርበሩሉን ዕለት ስለዝዝከረሉ ሥዑር ተባሂላ ትጽዋዕ።

ቀዳም ለምለም፦ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ስግደትን ጾምን ዝቀነዩ ምእመናን፡ ብዕለተ ቀዳም ናይ ንግሆ ጸሎት ምስ ተፈጸመ ካህናት “ገብረ ሰላም ብመስቀሉ” (ብመስቀሉ ሰላም ገበረ) እናበሉ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣከቡ ምእመናን ሰቲ ይዕድሉ። ሰቲ ናይ ብሥራት ምልክት እዩ። እቲ ምሳሌኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።


ብዘመነ ኖኅ ዝነበረ ሕዝቢ ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጺኡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ምድሪ ብዓመጻ መሊእዋ ነበረ። ምድሪ ድማ ብኃጢኣት ወዲ ሰብ ተጸይቃ ነበረት። እግዚአብሔር ኸኣ ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ንጻድቕ ኖኅን ስድርኡን ዝድኅነሉ መርከብ ክሰርሕ ኣዘዞ። ኖኅ ድማ ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ። እቶም ሕዝቢ ትምህርተ ንስሓ ኖኅ ክሰምዑን ክቕበሉን ስለዘይደለዩ፡ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ኖኅ ሸሞንተ ነፍሳት ሒዙ ናብ መርከብ ኣተወ። ብድኅሪ’ዚ ከኣ ምድሪ ብማየ ኣይኅ የዕለቕለቐት። ጻድቕ ኖኅ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ካብቶም ሒዝዎም ዝኣተወ ኣንስሳ ናይቲ ማይ ምጉዳል ክትርኢ ንርግቢት ሰደዳ፤ ንሳ’ውን እቲ ማይ ከምዝጎደለ ምልክት ልሙዕ ቖጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ተመልሰቶ። ኖኅ’ውን በቲ ቖጽሊ ኣውሊዕ እቲ ማይ ከምዝጐደለ ተረዲኡ ተሓጐሰ። (ዘፍ ፰፥፩-፳፱) ከምቲ ሰቲ፡ ምንቓጽ ጥፍኣት ማይ መበሰሪ ዝኾነ ሕጂ’ውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሞት ክርስቶስ፡ ሞተ ነፍስ ካብ ደቂ ኣዳም ከምዝረሓቐ ክተበስር ብካህናት ኣቦታትና ኣቢላ ሰቲ ትዕድል፤ ምእመናን ከኣ ነቲ ናይ ድኅነት ምልክት ዝኾነ ሰቲ ኸኣ ኣብ ግንባሮም ይኣስርዎ።


ቅዱስ ቀዳም፦ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር ንፍጥረታት ኵሉ ምስ ፈጠረ በዚኣ ዕለት ካብ ኵሉ ስርሑ ዝዓረፈሉ ክኸውን ከሎ፤ ብሓዲስ ኪዳን ከኣ ንኵሉ ናይ ምድሓን ሥርሑ ፈጺሙ ብሥግኡ ኣብ መቓብር ከዕርፍ ከሎ፤ ብነፍሲ ኸኣ ንሲዖል ዘሚቱ ጥርሓ ዘትረፈሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ኣብ ሲዖል ዝነበሩ ነፍሳት ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲ ዘውረሰሉ ዕለት ስለዝኾነት ካብ ካልኦት መዓልትታት ብዝተፈልየ ቅዱስ ቀዳም ተባሂላ ትጽዋዕ።

እምበኣር ደቂ ክርስቶስ ዝኾንና ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፤ ካብ ሲዖል ናብ ናይ ቀደም ቦትኡ ገነት ምምላስና ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ እናስተንተንና ንበዓለ ትንሣኤ ክነብዕል ኣሎና።

No comments:

Post a Comment