Friday, April 22, 2011

ሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 
 ዓርቢ 

ብድሮ ዓርቢ፡ ኃሙስ ምሸት ጐይታ ምስተተሓዘ ኣብ ጉባኤ ኣይሁድ ዝቐረበሉን ክሕተትን ክባጨወሉን ዝሓደሩሉ እዩ ነይሩ። ብጽባሒቱ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ጐይታ ካብ ገሊላ ምዃኑ ምስ ተረደአ ናብ ሄሮዶስ ልኢኽዋ ነበረ። ሄሮድስ ድማ ኣባጭዩ ከምኡ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ። ጸሓፍት ፈሪሳውያን ኵሎም ካህናተ ኣይሁድ ብብዙኅ ናይ ሓሶት ምስክር እኳ እንተኸሰስዎ፡ ጲላጦስ’ውን ደጊሙ እንተመርመሮ ዝኾነ በደል ኣይረኸበሉን። እኳ ደኣ ሓጺር ዝደነቐሉን መልሲ እዩ ረኺቡ። ስለቲ ዘቕርቡሉ ክሲ ግና ከምቲ ኢሳይያስ ተተንቢዎ ዝነበረ ኣፉ ኣይከፈተን። 

ሰበይቱ ጲላጦስ’ውን ብዝረኣየቶ ሕልሚ ተመሪሓ ክፉእ ከይፈርድ መጠንቀቕታ እኳ እንተሃበቶውን፡ ንሱ’ውን ገለ እኳ እንተዘይረኸበሉ ጫው ጫው ምስ በዘሐ ነቶም ሕዝቢ ከምቲ ልማዶም ኣብ በዓሎም ንበርባን ዶ ንክርስቶስ ክፍትሓሎም ሓቲትዎም። ምርጭኦም እቲ ሽፍታ በርባን ኮነ። ናቶም ምርጫ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ግና “ስቐሎ” ዝብል ጥራይ ኮነ። በዚ መሠረት ድማ ገሪፉ ንኽስቀል ኣኅሊፉ ሃቦ። ዝኾነ ክጾሮ ዘይክእል መከራ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ካብ ሊቶስጥራ ድማ ክሳብ ቀራንዮ ብዘሰቅቕ መከራ ተወስደ። ኣብዚ ክብርቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ሞንጎ ሸፋቱ ልክዕ ሰዓት ስድስቱ (ፍርቂ መዓልቲ - ሰዓት ዓሰርተ ክልተ) ኣብ ማእከለ ምድር ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ፤ ብገዛእ ሥልጣኑ ድማ ክብርቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ሥግኡ ሰዓት ተስዓቱ ፈለያ። ሰዓተ ፲ወ፩ዱ (ሰዓት ኃሙሽተ) ድማ ገኒዞም ቀበርዎ። 

ነገረ ስቕለቱ ብኵሎም ወንጌላውያን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ መስቀል ድማ ድንቂ ዝኾነ ስንቂ ሕይወት እንረኽበሉ ቃላት ተጻሒፉ ይርከብ። ኣብዚ ክዝርዘር ስለዘይከኣል ድማ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ትርጓሜኡ ኣስተውዒልና ነንብቦ። 

ብዝተረፈ ግና እዚኣ መዓልቲ ናታ ፍሉይ ስም ከምዘለዋውን ምጥቓስ ይግባእ እዩ። 

ዓርቢ ስቕለት፦ መድኃኒተ ዓለም ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ። (ማቴ ፳፯፥፴፭) ከምቲ ብርሃነ ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “እንተዝፈልጡስ ንናይ ክብሪ ጐይታ ኣይምሰቐልዎን” ብምባል ከምዝገለጾ ኣይሁድን ጸሓፍት ፈሪሳውያን ምንም በደል ንዘይተረኽቦ ንጹህ ጐይታ ጸዋተወ መከራ ኣብ ልዕሊኡ ዘውረዱሉን ዝሰቐሉሉን ዕለት እዩ። 

እዚኣ ዕለት ዓባይ ዕለት እያ። ብበደል ኣዳም ናብ ዓለም ዝኣተወ ሞት እተሳዕረሉ፤ ካብ ሞት ናብ ሕይወት እተሰጋግረናሉ፤ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ዝወጻናሉ፤ ዕዳ ደብዳቤና ዝተደምሰሰሉ፤ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝኣተናሉ፤ ትንቢት ነቢያት፤ ተስፋ ኣበው እተፈጸመሉ፤ ገነት ዳግማይ ዝተኸፈተትሉ ዓባይ መዓልቲ እያ። ኣዳም ኣቦና ዓርቢ ተፈጥረ፤ ካብ ገነት ድማ ብዕለተ ዓርቢ ተሰጐ። ዓርቢ ድማ ተመልሰ። 

ንጐይታ ዘትኃዞ ይሁዳ ጐይታ ተፈሪድዎ ምስርኣየ ዘይጠቅም ጣዕሳ ተጠዓሰ፡ “ንጹህ ሰብ ኣኅሊፈ ብምሃበይ በዲለ” ኢሉ ነቲ ዝመዘኑሉ ሠላሳ ቅርሺ ብሩር ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝቢን መለሶ፤ ንሳቶም ግና “ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና ባዕልኻ ትፈልጥ” በልዎ። ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤት መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፤ ከይዱ’ውን ተሓንቀ ግና ኣይሰለጦን። ጸኒሑ’ውን ኣማውትኡ ዝኸፈአ ኮነ። (ግብ ሓዋ ፩፥፲፰) ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም “ዋጋ ደም እዩ እሞ ኣብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን በሉ፤ ተማኺሮም ኸኣ ንመቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን ግራት ሠራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ። ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ኽሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሃል ኣላ” (ማቴ ፳፯፥፫-፱) 

ምልክት ድኅነትና ኣርማ ናጽነትና፦ ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ደቂ ኣዳም ኣብ ዝኸፈአ በደል እንተተረኽቡ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ይፍረዶም ነይሩ። ነዚ ናይ ገበነኛታት መቅጽዒን ምልክት መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ንምሕረትና ትእምርቲ ሰንደቅ ድኅነትና፤ መመክሒ ክርስቶሳውያን፤ ንዲያብሎስ ንሥዕረሉ ኃይሊ ዝገበረሉ፤ ብሞት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሰጋገናሉ ቅዱስ ንዋይ ገበሮ። ስለዝኾነ’ውን ነዚ ክብሪ ዝረኽብናሉ ዕለት ስለዝኾነ መዓልቲ ድኅነት ይበሃል። በዚ ዕለት ኵሎም ምእመናን ካብ ክፉእ ተግባራት ርሒቖም ካብ እኽለ ማይ ተቖጢቦም ክሳብ ዕርበተ ፀሓይ ማለት ሰዓት ሽዱሽተ ድኅሪ ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰግዱን ክጽልዩን ዝውዕልሉ መዓልቲ እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስቴ መድኃኒት ስቴ ሕይወት ንዓለም ዝኾነላ ዕለት ዓርቢ እያ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ድማ እዚ ተባሂሉ ክግለጽን ክፍቐድን ዘይከኣል ጸዋተወ መከራን ፲፫ ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ እዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑዉን ዓበይቲ ምሥጢራት ዝሓቘፋን መልእኽቶምን ረዚን ዝኾና ፯ ቃላት ኣብ መስቀል እንከሎ ተዛሪቡ እዩ። እዚአን ድማ ፯ቱ አጽርሐ መስቀል ተባሂለን ይፍለጣ። ንሳተን ድማ ፦ 

፩. ኦ! ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትሓዘሎም (ሉቃ ፳፫፥፴፬) 
፪. ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ሎሚ ገነት ምሳይ ክትኣቱ ኢኻ (ሉቃ ፳፫፥፵፫) 
፫. እንሆ ወድኺ፡ እንሀት ኣዴኻ (ዮሓ ፲፱፥፳፮-፳፯) 
፬. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ (ማቴ ፳፯፥፵፮) 
፭. ጸማእኩ (ዮሓ ፲፱፥፴) 
፮. ኣቦይ ነፍሰይ ናብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣለኹ (ሉቃ ፳፫፥፵፮) 
፯. ተፈጸመ (ዮሓ ፲፱፥፴) 
፯ተ ፍሉያት መልእኽቲ ዘለዎን ተኣምራት ድማ ተፈጺመን እየን። እተን ሠለስተ ኣብ ሰማይ ዝተፈጸማ ኮይነን እተን ፬ ድማ ኣብ መሬት እየን። ንሳተን ድማ፦ 
፩. ፀሓይ ጸልመተት፡ 
፪. ወርኂ ደም መስለት፡ 
፫. ከዋኽብቲ ረገፉ፡ 
፬. መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡ 
፭. ኣእባን ተፈተቱ (ኣኻውሕ ተጨዱ)፡ 
፮. መቓብራት ተኸፍቱ፡ 
፯. ምውታት’ውን ተንሥኡ። 

እዛ መዓልቲ ፍልይቲ መዓልቲ እያ። ሓዋርያት እቲ ትንቢት ክፍጸም ብዘይካ ቅዱስ ዮሓንስ ኵሎም ዝሃደሙሉን ዝረሓቑሉን እዩ። ኵሎም ሕዝቢ’ውን ብምኽሪ ኣይሁድ ተመሪሖም በርባን ክፍታሕ ክርስቶስ ክስቀል “ስቐሎ” እናበሉ ዝጨደሩሉ እዩ። ኣብቲ ፈታኒ እዋን ብዙሓት እኳ እንተረሓቑ ሥግኡ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ዝገነዝዎን ኣብ ብውቕሮ ካብ ከውሒ ዝተሠርሐ ሓዳሽ መቓብር ዝቐበርዎን ከም ብዓል ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ኒቆዲሞስን ኅሩያት ኣምላኽ ተረኺቦም እዮም። 

ሥርዓተ ዓርቢ 
ኣብዚ ዕለት ኣብቲ ካልእ መዓልቲ ዝግበር ስግደትን ጸሎትን ዝያዳ እናወሰኸ ይኸይድ። ምእመናንን ካህናትን ኣንጊሆም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተጋብኡሉ ኣጎበር ይስራሕ። ንዋየተ ቅዱሳት ብሥርዓት ይቕመጡ። መሳቕልን ሥዕሊ ሥነ ስቕለቱ ኣብ ቅድሚ መቕደስ ብሥርዓት ይቕመጡ። ካህናት ጸሊም ኣልባሳት ይለብሱ። ሕማማተ መስቀሉ ዘዘክሩ ንባባት ይንበቡ። ስግደት ኣብ ሸውዓተ ጊዜያት ይስገድ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካህናት ነቲ ኣምሳል ዝሞተን ዝተገንዘን ክርስቶስ ገይሮም ይዖዱ። ክሳብ ፬፻ ዝኸውን እግዚኦታ ብኣርባዕቱ ማዕዘናት ይግበር። ነቲ መግረፍቲ ንምዝካር ኸኣ ብቖጽሊ ኣውሊዕን ናይ ምእመናን ዝባን እናጠብጠቡ ናይ መሰናበቲ ስግደት ይእዝዙ። በቲ ካልእ ድማ ካብ ንባባት ዳዊት ብምጥቃስ ይሁዳ ዘርኡን ይርገሙ። ብተምሳል ንሰብ ዘስሓተ ተመን ዲያብሎስ ድማ እቲ መቋሚያ ይቕጥቀጥ። ድኅሪኡ ናጽነት ኣዳምን ደቁን ንምእዋጅ “ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሐ ዘተሰብሐ” ተባሂሉ ብኸበሮ ዝማሬ ምስጋና ይቐርብ። 

ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ናብ ኢየሩሳሌም ዝነግዱ ነጋድያን ከኣ ነተን ናይ ዕለተ ዓርቢ ፲፫ተ ሕማማተ መስቀል መከራን ስቓይን ንምዝካር ካብ ቤት ጲላጦስ ክሳብ ጎልጎታ መቓብር ጐይታንና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምብጻሕ ይገብሩ እዮም። 

                                                                                                                               ይቕጽል… 

No comments:

Post a Comment