Thursday, April 21, 2011

ሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ኃሙስ 

ኣብዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት ብዙኃት እዮም። ብጥቕልሉ ኣብዚኣ ዕለት እግሪ ሓዋርያቱ ብትሕትና ዝሓጸበሉ፡ ምድላው ፋሲካ ዝተገብረሉ፡ ድኅሪ ፋሲካ ድማ ሥርዓተ ቁርባን ዝተሰርዓሉ፡ ኣብ ጌተሰማኔን ካልእን ጸሎት ዝጸለየሉ፡ ይሁዳ ንጐይታ ብምስዓም ኣኅሊፉ ዝሃበሉን ጐይታ ድማ ብኢድ ኣይሁድ ዝተተሕዘሉን፡ ነዊሕ ናይ መጠቓለሊን መሰናበትን ትምህርቲ ዝሃበሉ ወዘተ እዩ። ነቲ ግብሪ ጐይታ መሠረት ብምግባር ኸኣ መምህራን ነዛ ሓሙስ ዝተፈላለዩ ስያመታትይ ሂቦማ ይርከቡ ኣለዉ። 


መዓልቲ ጸሎት (ጸሎተ ኃሙስ)፦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንምግላጽን ንምርዳእን ከምኡ’ውን ኣርኣያ ንምዃንን ጸሓፍት ፈሪሳውያን መጺኦም ክሳብ ዝሕዝዎ ክጽልይ ዝሓደረሉ ዕለት ስለዝኾነ መዓልቲ ጸሎት ትበሃል። (ማቴ ፳፮፥፴፮-፵፮ ዮሓ ፲፯) ንሕና’ውን ናብ ፈተና ከይንኣቱ ብጸሎት ክንነቅሕን ከየባተኽና ክንጽልይ ከምዝግባእና በዚ ዕለት እዚ ምሂሩና እዩ። ብሓፈሻ ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታ ኣብ ሠለስተ ቦታ ጸሎት ከምዝገበረ ስለዝጥቐስ መዓልቲ ጸሎት ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝሰማማዕ ስያመ እዩ። እዚ ኸኣ ጐይታ፡ ቀዳማይ ነቲ ኅብስቲ ኣብ ጽርሐ ኒቆዲሞስ ቅድሚ ምብራኹ ምጽላዩ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ወንጌለ ዮሓንስ ምዕራፍ ፲፯ ንዘሎ ብዙኅ ምሥጢር ዘለዎ ጸሎት ምጽላዩ፤ ሣልሳይ ድማ ቅድሚ ብኣይሁድ ምትሓዙ ኣብ ጌተሰማኔ ዝጸለዮ ጸሎት ብምህላዉ እዩ። 

መዓልቲ ሕጽበተ እግር፦ ጐይታ፡ በዚ ዕለት እዚ ትሕትና ፍቕሪ ተኣዛዚ ምዃን ከምኡውን ትርጉም ኣገልግሎት ንኸረድእን ኣብነት ንምዃንን እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ትሕት ኢሉ ተንበርኪኹ ዝሓጸበሉ ዕለት እዩ። (ዮሓ ፲፫፥፲፪-፳፱) ስለዝኾነ’ውን ካብ ፓትርያርክ ጀሚሩ ክሳብ ካህናት ኣቦታት በብማዕረጎም “ኣብ ሞንጎና ተረኺብካ ናትናን ናይ ሕዝብኻን ኃጢኣት ሕጸብ። ንሕና’ውን ናትካ ኣብነት ብምስዓብ እግሪ ንሓጽብ ኣሎና” እናበሉ ኣብ ኣጸደ ቤተ ክርስቲያን ንዝተረኽቡ ካህናትን ምእመናንን ብቖጽሊ ወይኒ ኣውሊዕ ሳዕሪ ወዘተ ይሓጽቡ። 

እዚ ኸኣ ጐይታ ኃጢኣት ደቂ ሰባት ክሓጽብን ከጽርይን ዝመጸ ጐይታ ምዃኑ ብምሳሌ ገይሩ ኣርኣየና። ብኻልእ ድማ ንሓዋርያት ምሥጢረ ጥምቀት ዝፈጸመሉን ዝሰርዓሉን ዕለት እዩ። “ተጠምቁ አርድእት በምሴተ ኃሙስ ለጸቢሐ ዓርብ እምቅድመ ይንሥኡ ሥጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ ወወደየ ማየ ውስተ ምንዛኅ ወአጥመቆሙ ለኵሎሙ አርዳኢሁ” (ተስእሎተ ባስልዮስ ከምዝበለ) 

መዓልቲ ምሥጢር፦ ካብተን ሸውዓተ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን እቲ ሓደ ዝተመሥረተሉ ዕለት እዩ። “ክበልዑ ኸለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሩሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፡ እዚ ሥጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” (ማቴ ፳፮፥፳፮) እናበለ ሃቦም። በዚ ድማ ንሕና ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ተቐቢልናን ምስኡ ፍጹም ኅብረት ክህልወና ንዲያብሎስ ፍጹም ስዒርና መንግሥተ ሰማያት ክንወርስ ምእንታን ዝተሰርዓልና እዩ። ነዚ መልእኽተ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ምእመናን ብንስሓ ተሓጺቦም ሥጋ ወደሙ ክቕበሉ ኣጥቢቓ ቤተ ክርስቲያን ተተሓሳስብ እያ። 

መዓልቲ ሓዲሽ ኪዳን፦ መሥዋዕተ ኦሪት ማለት ብደም እንስሳ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ብሉይ ኪዳን መሥዋእቲ ከምዘብቀዐን ንድኅነት ኣዳምን ደቁን ንድኅነት ዓለም ንርእሱ ዝተፈተወ መሥዋእቲ ገይሩ ዘቕረበሉን፤ መሥዋእተ ኦሪት ብመሥዋእተ ሓዲስ ዝተከኣሉን ዕለት ስለዝኾነ እዩ። “ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።” (ሉቃ ፳፪፥፳ ማቴ ፳፮፥፳፯) 

ኪዳን ማለት ኣብ ሞንጎ ክልተ ወገን ዝግበር ውዕል ማሕላ ስምምዕ ማለት እዩ። በዚ መሠረት ከኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ደቂ ኣዳም ደሙ ብምፍሳስ ሥግኡ ብምቑራስ ዘለዓለማዊን ሓድሽን ኪዳን ዝፈጸመሉ ዕለት እዩ። 

መዓልቲ ናጽነት፦ ካብቲ ብውርሻ ንዅሉ ደቂ ኣዳም ባርያ ዲያብሎስ ዝገበረ ዕዳን ናብራ ባርነትን ከምዘብቀዐን ዳግማይ ክብርና ከምዝተመልሰን ሓርነትና ዝተኣወጀሉን ዝተረጋገጸሉ ዕለት እዩ። “እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዝፈለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩም እየ።” (ዮሓ ፲፭፥፲፭)። ኵልና ውሉደ ክርስቶስ ዝኾንና ካብ ባርነት ኃጢኣት ርሒቕና ግብረ ጽድቂ እናሰራሕና ምስ ኣምላኽና ንተዓረቐሉ ምግባር ክህልወና ይግባእ። ደጊም ባሮት ኣይክትበሃሉን ኢኹም ተባሂልና ኢና። ዘሎናን ዝተዋህበናን ጸጋን ክብርን ሸለል ኢልና፡ ካብ ርትዕቲ ሃይማኖት ርሒቕናን ሰናይ ምግባር ኣጥፊእናን ዳግማይ ባርያ ዲያብሎስ ከይንኸውን ኸኣ ክንጥንቀቕ ይግባእ። (ቀዳማይ ጴጥ ፪፥፲) 

መዓልቲ ምድላው ፋሲካ፦ ኣብ ሠለስቲኡ ወንጌላት ከምእንረኽቦ (ማቴ ፳፮፥፯-፳፫) ኣብዚ መዓልቲ እዚኣ ድማ ምድላው ፋሲካ ተገይሩላ እዩ። ፋሲካ ማለት ኃለፈ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጺ ኣብ ባርነት ከለዉ ቅድሚ ሓራ ምውጽኦም እግዚአብሔር መልኣኹ ልኢኹ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ነፍስ ወከፍ እስራኤላዊ ሓደ ዓመት ዘይገበረ በጊዕ ሓሪዱ ንልዳት ገዝኡ ብደም እቲ ገንሸል ምልክት ይግበረሉ፤ ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ንመቕሰፍቲ ሞተ በኵር ተኣዚዙ ክመጽእ ከሎ ነቲ ምልክት ርእዩ ንእስራኤላውያን እናሓደገ ንግብጻውያን ከምዝቐዝፍ ተነግሮ። ነቢይ ሙሴውን ንዅሎም እስራኤላውያን ነገሮም። ንሳቶም’ውን ከምዝተኣዘዝዎ ፈጸሙ። (ዘጸ ፲፪፥፩-፳) ከምቲ ምሳሌኡ ብብሉይ ኪዳን ደም በጊዕ ንመሥዋእቲ ዝፈስስ ዝነበረ፡ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ከኣ ኣማናዊ በጊዕ ባዕሉ ጐይታ ንርእሱ መሥዋእቲ ገይሩ በጃና ደሙ ኣፍሲሱልና እዩ። በዚ ኸኣ እዩ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ፋሲካ ተባሂሉ ዝጽዋእ። ብምፍሳስ ደሙ ሞተ በኩር ዝተባህለ ሞተ ነፍስ ኣርሒቑልና እዩ። “ገንሸል ፋሲካና ማለት ክርስቶስ ተሠዊኡ እዩ እሞ…” (ቀዳማይ ቆሮ ፭፥፯ ቀዳማይ ጴጥ ፡፩፥፲፰-፲፱) 

መዓልቲ ትእዛዝ፦ ኣብዚኣ ዕለት ጐይታ ዝተፈላለዩ ክግበሩን ክፍጸሙን ዘለዎም ትእዛዛት ስለዝኣዘዘ ናይ ትእዛዝ መዓልቲ ተባሂላ ትፍለጥ። እዚ’ውን ኣእጋር ሓዋርያቱ ድኅሪ ምሕጻቡ “ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዙ እዩ። እዚ ድማ ናይ ትሕትና ፍቕሪ ኣብነት እዩ። ብዘይካ ምሳሌኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዕለት ክፍጸም እንርእዮ፡ ኣብ ሃገርና’ውን ኣብ ውሽጢ እቲ ኅብረተሰብ እዚ ትእዛዝ ንዘመናት ዝተፈጸመን ካብ ስድራ ቤታዊ ምክብባር ኣትሒዙ ዝፍጸም ዘሎን እዩ። ኣብ ከተማታት ምስ “ምዕባለ” ደኣ እናተረፈ ይኸይድ ኣሎ እምበር እዚ ዓቢ በረኸት ዘለዎ ሰናይ ግብሪ ኣብ ሃገረሰብን ብዓቢዩ ድማ ኣብ ገዳማት ሃገርና ጋሻ ኣብ ምቕባል ዝረአ ቀዳማይ ተግባር ብምዃኑ ኣዝዩ ባህ ዘብል ቅዱስ ባህሊ ከምዘሎና ዘርእይ እዩ። ጸኒዑ ድማ ክቕጽል ዘለዎ እዩ። እቲ ካልእ ትእዛዝ ድማ ኣብ ጌተሰማኔ “ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ተጊህኩም ጸሎዩ” ኢሉ ብዛዕባ ጸሎት ዝኣዘዞ እዩ። እቲ ሣልሳይ ድማ ሥርዓተ ቁርባን ድኅሪ ምስርዑ “ከመዝ ግበሩ ተዝካርየ” ብዝበሎ መሠረት ስቕለቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ወዘተ እናዘከርና ኣማናዊ ዝኾነ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ወትሩ ክስራዕ ከምዘለዎን ተዳሊና ክንቕበሎ ዝእዝዝ እዩ። ካልኦት ትእዛዝ’ውን ከምኡ። 

መዓልቲ ሓምላይ ሓሙስ፦ ኣብዚኣ ዕለት እዚኣ ጐይታ ኣብታ ለምለም ዝኾነት ስፍራ ኣታኽልቲ ከምዝጸለየ ስለዝተጠቕሰ በዚ ስም ትጽዋዕ እያ። ጐይታ ብዙኅ እዋናት ምስ ሓዋርያቱ ይኸደላ ብምንባሩን ይሁዳ ድማ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጣ ናብኣ መሪሕዎም መጸ። ጐይታ ግና ኣብዚኦ ቦታ ብሥልጣኑን ብፍቓዱን ከምዝተተሓዘ ደጊሙ ዘረጋገጸሉ ኸኣ እዩ። ምኽንያቱ ኵሎም ከም ሽፍታ ኣባትርን ኣስያፍን ሒዞም ምስ መጹዎ፡ ንመን ከምዝደልዩ ሓቲቱ፡ ንእኡ ምዃኑ ምስ ነገርዎ “ኣነ እየ” ስለዝበሎም ኵሎም ኣድሓርሒሮም ናብ ምድሪ ፍግም ኢሎም ከምዝወደቑን ክሳብ ዝፈቕደሎምን ክሕዝዎ ከምዘይተኻእሎም ዘግሃደሉ ቦታ እዩ። (ዮሓ ፲፰) 

ጐይታ ከምቲ ብዕለተ ሠሉስ ዝገበሮ ሰፊሕን ዓሚቕን ኣስተምህሮ ብዛዕባ ምሥጢረ ሥላሴ፡ ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን (ዳግማይ ምጽኣቱ ዝምልከት) ዝመሃረሉ ዕለት እዩ። (ዮሓ ፲፬፥፲፮) ነዚ ትምህርቲ ድማ ኣዕሚቕካ ምፍላጡን ምርድኡን ከምዘድሊ ንኸረድእ ስለዝደለየ እዩ ነዚ ሰፊሕ ትምህርቲ ዝሃበ እምበር ብተኣምራት ገይሩ ብቀሊሉ ከረድኦም ምኸኣለ። ብተወሳኺ ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ንዝወሃብ ትምህርቲ ብግቡእ ክኸታተሉን ንዘይተረድኦም ክሓቱ ከምዝግባእ ንመሃር ኢና፤ ከመይሲ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነቲ ንሱ ዝመሃሮም ትምህርቲ ክከታተሉን ነቲ ዘይተረድኦም ክሓቱን ክርድኡን ኣብዚ መዓልቲ ንርእይ ኢና። 

እዛ ዕለት’ዚ ጐይታ ቅድሚ ስቕለቱን ሞቱን ንመወዳእታ ሰዓት ምስቶም ዝኃረዮምን ዝፈትዎምን ሓዋርያቱ ብኃባር ዝተራኸበላን ዝመሃረላን ዕለት እያ። እቲ ቅዱስ ቃል’ውን ንሱ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ናብ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ዝኸደሉ ጊዜ ከም ዝበጽሐ ፈሊጡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ከምዘፍቀሮም እዩ ገሊጹ። ስለዚ ፍቕሪ ናይ ኵሉ መወዳእታን መእሰርን ምዃኑ እዩ ምሂሩና። 

ካልእ ጐይታናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ንይሁዳን ንጸሓፍት ፈሪሳውያን ሰዓት ሠለስቱ ምሸት (ትሽዓተ) ብኢድ ኣይሁድ ክተሓዝ ንርእሱ ኣኃሊፉ ዝሃበሉ ዕለት’ውን እዩ። (ማቴ ፳፮፥፵፯-፶፰) ኣቐዲሙ’ውን መን ከም ዘትሕዞ፡ ይሁዳ እንታይ ዓይነት ምኽሪ ምስ ኣይሁድ ከምዝመኸረ ዝፈልጥ ጐይታ ካብ ኵሎም ሓዋርያት ፈልዩ እቲ ሓደ ንጹህ ከምዘይኮነን ኣኅሊፉ ከምዝህቦን መጠንቀቕትኡን ዝገለጸሉን እዩ። እዚ ኸኣ ብፍቓዱ ዝተተሓዘ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ይሁዳ’ውን ብመሠረት ዝገበሮ ምኽሪ ብምስዓም ንጐይታ ኣትሒዝዎ እዩ። ነዚ መሠረት ብምግባር ድማ ነቲ ምልክት ሰላምን ፍቕርን ዝኾነ ሰላምታ ንክፉእ ዕላማታቱ (ንጐይታኡ ኣኅሊፉ ንምሃብ) ስለዝተጠቕመሉ ንሕና’ውን ነዚ ንምዝካር ኣብ ሰሙነ ሕማማት ነንሕድሕድና ኣይንሰዓዕምን ኢና። 

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን እዝኒ ማልኮስ ዝቖረጸሉን፡ ሰይፉ ናብ ሰፈሩ ክምልስ እተነግሮን፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ድማ ደርሆ ከይነቀወ ሠለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብኣፉ ዝኸሓደሉን መሪር ንብዓት ብምንባዕ ድማ ዝተነሰሓሉን እዩ። (ዮሓ ፲፰) 

ሥርዓተ ሓሙስ 

እዚ መዓልቲ እዚ ካብ ካልኦት ብፍሉይ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝቐደሰሉ ዕለት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝፍጸም ሥርዓተ ቅዳሴ’ውን ካብቲ ካልእ መልእኽትን ምሳሌን ብዘለዎ ኣገባብ ቅሩብ ፍልይነት ዘለዎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣይሁድ ንጐይታ ንምሓዝ ብናቶም ሓሳብ ኣድብዮምን ብስውር ቀስ ኢሎምን ዝሓዘሉ ዕለት ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር ኣብዚ ዕለት ብሎኃሳስ (ብዘይ ዓው ዝብል ድምጺ ተሰጥዎ) እዩ እቲ ቅዳሴ ዝፍጸም። ኣብ ክንዲ ቃለ ዓዋዲ’ውን ጸናጽል ንጥቀም። 

ኣብዚ ዕለት ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያት ዝገበሮ ንሳቶም’ውን ነንሕድሕዶም ድማ ከምኡ ክገብሩ ስለዝኣዘዘ፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዝምስጥ ሥርዓት ንመዘከርትኡን በረኸት ንምውሳድን ሕጽበተ እግር ቅድሚ ቅዳሴ ይፍጸም እዩ። ድኅሪ ቅዳሴ ድማ ነዚ ዕለት ብፍሉይ ዝዳሎ ኅብስትን ጥጥቖን ብኃባር ይብላዕ። 

                                                                                                                           ይቕጽል… 

No comments:

Post a Comment