Monday, April 18, 2011

፲፫ ሕማማተ መስቀል

ካልኣይ ክፋል

 ፭. ተቀሥፎ ዝባን 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝባኑ ክሳብ ዝመላለጥን ደም ዝሰርብን በቶም ጨካናት ሰባት ብዘይርኅራኀ ከምዝተገርፈ ዘመልክት እዩ። ከምቲ ኣብ ዝቀደመ ጽሑፍ ዝገለጽናዮ፡ ብመሠረት ሕጊ ኣይሁድ ዝተገርፈ ኣይስቀልን እዩ፤ ዝስቀል ድማ ኣይግረፍን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ጲላጦስ ገሪፉ ከብቅዕ “ካብ ደሙ ንጹሕ እየ” ብምባል ንኽስቀል ኣኅሊፉ ሃቦ። (ማቴ ፳፯፥፳፮ ማር ፲፭፥፲፭) 



ጐይታ ብዘይበደሉ በደል ኣዳም ጸይሩ ተገርፈ። ምኽንያቱ ደቂ ሰባት ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቖም ብእግሪ ኣጋንንት እናተቐጥቀጡ ብሃለንጊ ረመጽ ይግረፉ ነበረ እሞ ንሰባት ክብጆ ዝመጸ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ሰባት ንሱ ዝባኑ ንግርፋት ብፍቓዱ ሃበ። ሥግኡ ተወዲኡ ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝረአን ዝቑጸረን ተተበራርዮም ገረፍዎ። እቲ ብበደሉ ክግረፍ ዝግብኦ በርባን ተፈቲሑ እቲ ንጹሐ ባህርይ ክርስቶስ ክእሰርን ክግረፍን ምርጫ ሰባት ኮነ። እቲ ንርእሱ ካብ ቤት ማሕቡስ ናጻ ከውጽእ ዘይክእል ዓዲ ዘሰከሐ በርባን ተፈቲሑ ንሰባት ካብ ሲኦል ሓራ ክገብርን ካብ ማእሰርቲ ኃጢኣት ክፈትሕን ዝመጸ ጐይታ ክእሰርን ክግረፍን ድሌት ሰባት ኮነ። እቲ ትንቢት’ውን ተፈጸመ ። (ኢሳ ፶፥፮) 

ካብ ግርፋትና ከናግፈና ካብ ማእሰርትናውን ክፈትሓና ጐይታ ብሰንኪ በደልና ክወርደና ንዝነበረ መቕጻዕቲ ኵሉ ንሱ ጾረልና። ንሱ ተገርፈልና። ንሕና እሱራት ክንፍታሕ ንእሱራት ዝፈትሕ ጐይታ ብፍቓዱ ተኣሲሩ። ነዚ ድማ አንክሮ ተዘክሮ ይግባእ እዩ። 

ዳግማይ’ውን ኣብ ማእሰርቲ ኃጢኣት ኣቲና ከይንእሰር ነፍስና ንዓቅብ። ኣምላኽ’ውን ስሌና ዝገበረልና ድማ ንዘክር። 

፮. ተዐርቆተ ልብስ 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክዳኑ ከምዝገፈፍዎን ከምዝዓረቐን ዝገልጽ እዩ። ዝገርም እዩ ንፀሐይን ከዋክብትን ብርሃን ኣልቢሱ ዝፈጠረ ኣምላኽ ንሱ ዓረቐ። ሰማያት ብከዋክብት ዘጌጸ ንምድር’ውን ብእምበባታትን ሳዕርን ኣእዋምን ሸሊሙ ዝፈጠረ ኣምላኽ ነታ ሓንቲ ክዳኑ ከኣ ገፈፍዎ። ኣብ ጸልማት ተኸቢቡ፤ ጸልማት ውሒጥዎ ንዝነበረ ወዲ ሰብ ብርሃን ክኸድኖ፡ ንሱ ብርሃናዊ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ዓረቐ። 

ጲላጦስ ክገርፍዎ ኣኅሊፉ ንወተሃደራቱ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ክዳኑ ተቐላጢፎም ገፊፎሞ እዮም። (ማቴ ፳፯፥፳፯) ብምኽሪ ዲያብሎስ ኣዳም ብምርጭኡ ብዝኣተዎ ውድቀት ጸጋኡ ተገፊፉ ደቁ ብወተሃደራት ሲኦል ክቕጥቀጡ ይነብሩ ነይሮም እሞ ንኣዳምን ደቁን ካብዚ መከራ ከናግፍ ንሱ ብወተሃደራት ጲላጦስ ክዳኑ ክግፈፍ ክግረፍ ፈቓዱ ኮነ። 

፯. ርግዘተ ገቦ 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሱ ንሞት ኣኅሊፉ ድኅሪ ምሃቡ ጎኑ ብበሊሕ ኲናት ከምዝተወገአ ዘመልክት እዩ። ኣብ የማነ ጸጋም ጐይታ ክልተ ፈያት (ሸፋቱ) ተሰቒሎም ነበሩ። ኣይሁድ ድማ እቶም ዝሰቐልዎም ሥጋኦም ኣብ ሰንበት ኣብ መስቀል ከይውዕል ብምሕሳብ መሓዅልቶም ሰሰቢሮም ከውርድዎም ንጲላጦስ ለመንዎ። በዚ መሠረት ድማ ንክልቲኦም ከምኡ ድኅሪ ምግባሮም ናብ ጐይታ ምስ መጹ ከም ዝሞተ ርእዮም ምሕኵልቱ ኣይሰበርዎን፤ እቲ ካብኡ ዓጽሚ ከምዘይሰብር ዝተገልጸ ትንቢት’ውን ተፈጸመ። የግዳስ ሓደ ኣብቲ ኵሉ ክፉእ ግብሮም ብዙኅ ዘይሠመሮም ዓቀይታይ መጺኡ ጐኑ ወግኦ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደምን ማይን ብቅርጺ “ለ” ካብ ጐኑ ፈሰሰ። (ዮሐ ፲፱፥፴፫) 

እዚ ኸኣ ውልድነት እግዚአብሔርን ዘለኣለማዊ ሕይወትን ስኢኖም ዝነበሩ ደቂ ሰባት ውልድነትን ሕይወትን ከምዝተመልሰሎምን ዘረድእ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ጐይታ ብዝፈሰሰ ማየ ገቦ ተጠሚቖም ውልድነት፤ ንዝፈሰሰ ደምን ዝተቖርሰ ሥጋን በሊዖም ሰትዮምን ድማ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክኾነሎም ንደቂ ሰባት ቃል ተዋሂቡ እዩ። (ዮሐ ፫፥፭ ዮሐ ፮፥፶፬) 

፰. ተአሥሮተ ድኅሪት 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣእዳዉ ንድኅሪት ገይሮም ኣትሪሮም ከምዝኣሠርዎ ዝገልጽ እዩ። እቲ ጊዜ ምስኣኸለን ጐይታ ብፍቓዱ ብኢድ ኣይሁድ ምስተተሓዘ እቲ ሓለቃ ሽሕን ዓቀይቶቱን ኣይሁድን ኣእዳዉ ንድኅሪት ብገመድ ብምእሳር መሬት ንመሬት እናጐሰሱ ስሒቦሞ እዮም። (ዮሐ ፲፰፥፲፪) 

ብሰንሰለት ኃጢኣት ተኣሲሮም ብዲያብሎስ ንድኅሪት ክሰሓቡን ናብ ፍቓዱ’ውን ክጉተቱ ዝነብሩ ዝነበረ ደቂ ሰባትብ ካብ ማእሰርቶም ናጻ ከወጽእ ዝመጸ ጐይታ ንሱ ንድኅሪት ብፍቓዱ ተኣስረሎም። ምድሪ ንምድሪ’ውን እናተጐሰ ተሰቓየሎም። 

                                                                                       ይቕጽል… 




No comments:

Post a Comment